ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳስ ቤነዲክት ኣብ ናይጀሪያ ንዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ኮኒኖምዎ


ጉጅለ ትማሊ ሰንበት ኣብ ናይ ፈረንጂ ማዕልቲ ልደተ ንዝተፈፀሙ ሰለስተ ናይ ቦምብ መጥቓዕታት ሓላፍነት ወሲዱ’ሎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቤነዲክት ኣብ ናይጀሪያ ኣብ በዓል ልደት ኣብ ኣብያተ ክርስቲያን ንዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ትርጉም ኣልቦ ክብሉ ኣውጊዞምዎ።እስላማዊ ኣኽራሪ ቦኮ ሓራም ነቲ ናይ ቦምብ መጥቓዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ’ሎ።

ንተኻታታሊ ካልኣይ ዓመት ቦኮ ሓራም ዝተብሃለ ኣኽራሪ ጉጅለ ኣብ ናይጀሪያ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኣመንቲ ክርስቲያን ኣብ ማዕልቲ ለደት መጥቓዕቲ ፈፂሙ’ሎ።እቲ ጉጅለ ትማሊ ሰንበት ኣብ ናይ ፈረንጂ ማዕልቲ ልደተ ንዝተፈፀሙ ሰለስተ ናይ ቦምብ መጥቓዕታት ሓላፍነት ወሲዱ’ሎ።

ሓይልታት ፀጥታ ናይጀሪያ ኣብ ሰሜናዊ እታ ሃገር ንዝተፈፀሙ ካልኦት ክልተ ናይ ቦምብ መጥቓዕትታት እውን እቲ ኣኽራሪ ጉጅለ ከምዝፈፀሞ ተዛሪቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቤነዲክት ዓሰርተታት ሰባት ንዝቐተለ መጥቓዕቲ ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተረኺቦም ሎማዕንቲ ሰኒ ኾኒኖምዎ ኣለው። እየሱስ ክርስቶስ ኣብዝተወለደሉ ዕለት ኣብ ገለ ኣብያተ ክርስቲያን ናይጀሪያ ሓዘንን ስቓይን ዘስዐቡ መጥቓዕትታት ምፍፃሞም ብዓሚቕ ሓዘን እየ ሰሚዐ ኢሎም ርእሰ ሊቀ ጳጳሳት ቤነዲክት።እቶም ጳጳስ በቲ ትርጉም ኣልቦ መጥቓዕቲ ንዝተጎድኡ ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ኩሎም ዝተጎድኡን ሓዘኖም ገሊፆም።

እቶም ርእሰ ሊቀ ጳጳስ ኩሉ ሰብ ንቶም ግዳያት ንኽፅሊ ዓዲሞም ኣለው።

ዋይት ሃውስ ነቲ ህውከትን ዘሕዝን ጥፍኣት ህይወትን ኣውጊዙዎ ኣሎ።ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ባን ኪሙን ነቲ መጥቓዕቲ ብምኹናን ንህዝቢ ናይጀሪያን ንግዳያት ቤተሰብን ሓዘኖም ገሊፆም።

ኣብታ ክርስቲያንን ሙስሊምን ማዕረ በዝሒ ህዝቢ ኣብዘለዋ ናይጀሪያ ባኮ ሓራም ከልዕሎ ይዝፍትኖ ብዘሎ ህውከት ሕድ ሕድ ዅናት ንኸይልዓል ስግኣት እናሓየለ ይርከብ።

ቦኮ ሓራም ኣብ ምሉእ እታ ካብ ኣፍሪካ ብበዝሒ ህዝቢ ቀዳመይቲ ኣብዝኾነት ናይጀሪያ ናይ ሸሪዓ ሕጊ ንኽትግበር እዩ ዝቃለስ ዘሎ።ሰበስልጣን ኣብ ናይጀሪያ ኣብዚ ዓመት እዚ ህይወት ኣማእቲ ሰባት ዘጥፍኡ መጥቓዕታት ብባኮ ሓራም ከምዝተፈፀሙ ይገልፁ።

XS
SM
MD
LG