ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርእሰ ሊቃነ-ጳጳሳትን ኢማም ደ/ምብራቕ ኤስያን ብሓባር ንሃይማኖታዊ ጎንጺ ኮኒኖም


ርእሰ ሊቃነ-ጳጳሳትን ኢማም ደ/ምብራቕ ኤስያን ብሓባር ንሃይማኖታዊ ጎንጺ ኮኒኖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:25 0:00

ርእሰ ሊቃነ-ጳጳሳትን ኢማም ደቡባዊምብራቕ ኤስያ ብሓባር ንሃይማኖታዊ ጎንጺ ኮኒኖም

ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ፡ ምስ ኢማም ዝዓበየ መስጊድ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ ብምዃን፡ ሃይማኖት-ወለድ ጎንጺ ኮኒኖም፡ ንተፈጥሮ ከባቢ ንምሕላው`ውን ተሰማሚዖም። ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብቲ ናይ ኢንዶኖጅያ ዑደቶም፡ ምስ መራሕቲ ሽዱሽተ ሃይማኖታት ኣኼባ ብምክያድ ናይ ሓባር መግለጺ`ውን ኣውጺኦም።

ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ክሳብ ሕጂ ካብ ዘካየድዎ ዑደት ዝነውሐ`ዩ፡ እቲ ኣብ ኤስያን ኦሻኒያን ዘካይድዎ ዘለዉ ናይ 11 መዓልታት ዑደት ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብ ኢንዶነጅያ ናብ ዝርከብ ዝዓበየ መስጊድ ብምኻድ ምስ ኢማም መስጊድ ኢስትቕላል ድሕሪ ምርኻብ ንሓደ ጉባኤ ዝተፈላለያ ሃይማኖት መሪሖም። ኣብ ኢንዶነጅያ ሕጋዊ ኣፍልጦ ተዋሂብወን ዝንቀሳቐሳ ሃይማኖታት፡ እስላም፡ ቡድሂዝም ኮንፉሲያዝም፡ ሂንዱ፡ ካቶሊክ ከምኡ `ውን ፕሮቴስታንት እየን። እቶም ካቶሊካዊ መራሒ ምስ ኢማም መስጊድ ኢስትቕላልን ካልኦት መራሕትን ኣብ ዘካየድዎ ጉባኤ፡ ሃይማኖት መሰረት ዝገበረ ጎንጺ ክኹነን ጸዊዖም። ከምኡ`ውን ሓለዋ ተፈጥሮ ከባቢ ትኹረት ክውሃቦ ከም ዝግባእ ኣስሚሮምሉ።

ካልኣይ ዝዓበየ መደብ ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ድማ ድሕሪ ፋዱስ ኣብ ስታድየም ጃካርታ ዝመርሕዎ ቅዳሴ`ዩ ኔሩ፡ ኣስታት 100-ሺሕ ህዝቢ ተሳቲፉ ኔሩ። ብልዑል ዕልልታ ድማ የሰንዩዎም ኔሮም።

ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ኢማም ናሳሩዲን ዑመር ኣብቲ ንመስጊድ ኢስትቕላልን ካቴድራል ካቶሊካዊ ቤተክርስትያንን ዘራኽብ ሜዳ ጠጠው ኢሎም ተራእዮም።

ዝበዝሐ ኣመንቲ እስልምና ማሕበረሰብ ዘለዋ ኢንዶኖጅያ ሃይማኖታዊ ምጽውዋር ንምጉላሕ ነቲ ኣብ ኣፍደገ መስጊድ ዘሎ መተሓላለፈ ገለርያ ዝሃነጸቶ ክትከውን ከላ፡ እቲ ምጽውዋር ኣብ ሕገ-መንግስታ`ውን ኣስፊራቶ`ላ። እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ውሑዳን ሃይማኖታት ዝፍጸም መግለልትን ጎንጽን ገለ ኣብነታት ምዃኑ ኣይተረፈን። ብመሰረት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ካብ 2021 ክሳብ 2024 ጥራሕ ብውሕዱ 123 ኣጋጣምታት ሃይማኖታዊ መጥቃዕትን ምዕጻው ቤተ-ኣምልኾን ተመዝጊቡ`ዩ።

ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብቲ እዋን፡ ኩሎም ኢንዶነጅያውያን ኣመንቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት “ንኣምላኽ ክደልዩዎን ናጻ ሕብረተሰብ ኣብ ምህናጽ ኣበርክቶ ክገብሩን፡ ከምኡ`ውን ኣብ ሓባራዊ ምክብባር ዝተመስረተን ንጎንጽን ጽንፋውነትን ዝነጽግን መንገዲ ክኽተሉ ጸዊዖም።

ኣብቲ ክልቲኣዊ ርክብ፡ ፍቕርን ምሕዝነትን ወዲ 87 ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስን ወዲ 65 ኢማም ዑማርን ዓዚዙ ይርኣይ ኔሩ። ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ካብ ዓረብያኦም ክወርዱ ከለዉ፡ እቶም ኢማም ደኒኖም ንፖፕ ፍራንሲስ ኣብ ርእሶም ስዒሞሞም። ድሕሪኡ እቶም ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ኢድ ናይቶም ኢማም ሒዞም ብምስዓም ናብ ክሳዶም ኣጸጊዖም። ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብ እዋን ጵጵስንኦም ምትእስሳር ካቶሊክን እስላምን ክሕይል ንምሕጋዝ ናብ ዓበይቲ ሃይማኖት እስላም ዝኽተላ ሃገራት ምጋሽ ቀዳምነት ሂቦሞ ዝጸንሑ ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣብ 2019 ናብ ወሽመጥ ኣብ ዝገበርዎ መገሻ፡ ምስ ኢማም ኣል-ኣዝሓር ተራኺቦም- ኢማም `ቲ ናይ 1,000 ዓመት ዕድመ ዘለዎ ዋና ቦታ ሰዓብቲ ሱኒ። ሽዕኡ ሓደ “ሰብኣዊ ህውነት” ዝብሃል ተበግሶ ኣቑሞም- ዕላምኡ ኣብ ዙርያ ዓለም ሰላም ንምስጓም ካቶሊክን ኣመንቲ እስልምናንን ብሓባር ክሰርሑ ዝጽውዕ ተበግሶ `ዩ። ድሕሪኡ `ውን ኣብ 2021 ናብ ናጃፍ ዒራቕ ብምጉዓዝ ምስ ላዕላዋይ መራሒ ሺዓ ብምርኻብ ሓደ መልእኽቲ ሰላማዊ ሓባራዊ ምንባር ኣሕሊፎም። እዚ ናይ ሕጂ ኣብ ኢንዶነጅያ ዝተገብረ ሓባራዊ መግለጺ ኢስቲቕላል `ውን ዳሕራዋይ ኣካል ናይዚ ተበግሶ`ዩ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝተዛረቡ ኢማም መስጊድ ኢስትቕላል፡ እቲ መስጊድ ብክርስትያን መሃንድስ ከም ዝተቐየሰ ድሕሪ ምሕባር፡ ንኹሉ እምነታት ከም ማእከል ትምህርትን ማሕበራዊ ርክባትን ኮይኑ ከም ዘገልግል ተዛሪቦም።

ቫቲካን ኣብቲ ናይ ጃካርታ ቅዳሴ፡ ኣስታት 60-ሺሕ ሰባት ተጸብያ`ኳ እንተነበረት፡ ዝመጸ ህዝቢ ግን ልዕሊኡ ማለት ኣስታት 100-ሺሕ ከም ዝነበረ ከባቢያዊ ኣተሓባበርቲ`ቲ ውራይ ሓቢሮም ኣለዉ። እቶም ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ስብከቶም "ናይ ሰላም ወለዶ ንምሕላምን ንምህናጽን ኣይሰልክኹም፡ ሃነጽቲ ተስፋን ሃነጽቲ ሰላምን ኩኑ” ኢሎም። “ቪቫ ፓፓ ፍራንቸስኮ” ዝብል ጭርሖ ይውሕዘሎም ኔሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG