ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህቡብ ኣሜሪካዊ ድምጻዊ ፕሪንስ ዓሪፉ


ድምጻዊን ሙዚቀኛን ቅዲ ሙዚቃ ፖፕ ፕሪንስ - የካቲት 7,2007
ድምጻዊን ሙዚቀኛን ቅዲ ሙዚቃ ፖፕ ፕሪንስ - የካቲት 7,2007

ኣሜሪካዊ ህቡብ ድምጻዊን ሙዚቀኛን ቅዲ ሙዚቃ ፖፕ ፕሪንስ ኣብ መበል 57 ዓመቱ ትማሊ ዓሪፉ።

ጸብጻባት መራኸቢ ብዙሓን ከምዝሓበርዎ ፕሪንስ ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ሚነሶታ ከተማ ሚናፖሊስ ኣብ ዝርኸብ ገዝኡ ትማሊ ንግሆ ሞይቱ ተረኺቡ’ሎ።

ፕሪንስ ልዕሊ 100 ሚሊዮን ኣልቡማቱ ኣብ ዙርያ ዓለም ዝተሸጡን ሸውዓተ ጊዜ ሽልማት ግራሚ ዝተሸለመን ብፍላይ እታ ‘Purple Rain” ወይ ‘ ሊላ ዝናብ” ብዝተሰምየት ደርፉ ሽልማት ኦስካር ዝረኸበ ህቡብ ኣሜሪካዊ ስነ-ጥበባዊ’ዩ።

XS
SM
MD
LG