ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጁባላንድ ምስ ፈደራል መንግስቲ ሶማል ዝነበራ ርክብ ከምዘቋረጸት ሓቢራ


ካቢነ ጁባላንድ
ካቢነ ጁባላንድ

ሓንቲ ካብተን ቀንዲ ኣካል ፌደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ዝነበረት ጁባላንድ ምስቲ ማእከላይ መንግስቲ ዝነበራ ርክብ ምቑራጻ ድሕሪ ምግላፃ ሎሚ ሓሙስ ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ቅልውላው ተጋዲዱ'ሎ።

ጁባላንድ ሓንቲ ካብተን ሽዱሽተ ክልላት ሶማልያ ክትከውን ከላ ምስ ፌደራላዊ መንግስቲ ዝነበራ ርክብ ምቁራፃ ሎሚ ሓሙስ ብወግዒ ኣፍሊጣ ኣላ።

“ጁባላንድ ምስ ፌደራላዊ መንግስቲ ዝነበራ ርክብን ናይ ስራሕ ዝምድናን ሙሉእ ብሙሉእ ብወግዒ ደው ከምዘበለት ተፍልጥ” ዝብል መግለፂ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ኪስማዮ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ካቢኔ ሚኒስትራት ብዝተነበ ንባብ እዩ ተገሊጹ።

ፑንትላንድ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ፌደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ርክብ ከምዘቋረጸት ዝዝከር'ዩ።

እዚ ምቁራጽ ርክብ ዝተገለጸ ኣብ ሞቓድሾ ዝርከብ ቤት ፍርዲ መንግስቲ ሶማልያ ንመራሒ ጁባላንድ ኣሕመድ መሓመድ ኢስላም (ኣሕመድ ማዲቤ) ብክሲ “ክሕደት” ሃገራዊ ሓበሬታ ንባዕዳዊት ሃገር ብምክፋልን ፀረ-ሕገ መንግስቲ ተግባር ፈፂሙ'ዩ ብምባል ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ድሕሪ ምሕላፉ ሒደት ሰዓታት’ዩ።

ጁባላንድ ኣብ መግለፂኣ “ስልጣን ብዘይኣገባብ ምጥቃም”ብዝብል ንፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓመድ ብምኽሳስ እቲ ቤትፍርዲ “ገለልተኛ ኣይኮነን” ኢላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG