ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ፖላንድ ኣብ ዶብ ቤላሩስ ንዘለው ወታሃደራት ይበጽሑ


ፋይል
ፋይል

ቀዳማይ ሚንስተር ፖላንድ መቱዝ ሞሪያዊኪ ብናይ ሩሲያ ዕሱብ (መርሰነሪ) ጉጅለ ዋግነር ዝተኻየደ ዕግርግር ምስ ፈሸለን ኣዛዚ ዋግነር የቭገኒ ፕሪጎዚን ናብ ቤላሩስ ምስ ከደን ምስ ቤላሩስ ኣብ ዘዳውብ ምብራቓዊ ዶባ ንዝርከቡ ወታሃደራት ትማሊ ሰንበት በፂሖምዎ።


ዋሕዚ ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ንምኽልካል ኣብቲ ዶብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተነብረ ሓፁር ኮይኖም ከምዝበሉዎ መራሕቲ ቤላሩስን ሩሲያን "ባህ ዘይብል ነገራት" ክፍፅሙ ይኽእሉ እዮም፤ ፖላንድ ከምዚኦም ዝበሉ ፍልይ ዝበሉ ተግባራት ኣብ 2021 ተዓዚባ እያ ኢሎም።


ኣብ መወዳእታ 2021 ፕረዚደንት ቤላሩስ ኣሌክዛንደር ሉካሽንኮ ስደተኛታት ክውሕዙ ይገብሩ ኣለው ብዝብል ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ መንግስቶም እገዳታት ኣንቢሩ እዩ።


ካብ ማእእከላይ ምብራቕ፣ኣፍጋኒስታንን ኣፍሪቃንን ዝመፁ ኣስታት 40,000 ስደተኛታት ዶብ ብምጥሓስ ካብ ቤላሩስ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ክወፁ ፈቲኖም እዮም።ሞሪያዊኪ ኣባል ኔቶ ዝኾነት ፖላንድ ብዝሓሸ ውሕስቲ እያ ኢሎም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG