ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደ አባል ፖሊስ ኬንያ ኣብ ቤት ፍርዲ ብዝተኰሶ ጥይት ንዳኛ ኣቑሲሉ


ፖሊስ ኬንያ ፋይል
ፖሊስ ኬንያ ፋይል

ሓደ አባል ፖሊስ ኬንያ ኣብ ቤት ፍርዲ ምስ ካልኦት ኣባላት ፖሊስ ብዝገበሮ ናይ ተኲሲ ምልውዋጥ ንዳኛ'ቲ ቤት ፍርዲ ምቑሳሉ ቤት ፍርዲ ገሊፁ።

ሓላፊት ፍትሒ ዊንፍሪዳህ ሞካያ ዘውፅአቶ መግለፂ ዳኛ ሞኒካ ኪቩቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ማካዳራ ንሰበይቲ እቲ ፖሊስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ብዋሕስ ክትፍታሕ ንዝቐረበላ ሕቶ ምስ ነፀገቶ እያ ተተኲሱዋ ከምዝቖሰለት ይሕብር።

ኣብቲ ቶኽሲ ዝቖሰሉ ኪቩቲን ካልኦት ሰለስተ ፖሊስ መኮነናትን ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎን ኣብ ርጉእ ኩነታት ከም ዘለውን ማርታ ኩመ እትብሃል ዳኛ ገሊፃ ኣላ።

ሮይተርስ ንፀብፃብ ፖሊስ መሰረት ብምግባር ኣብ ብዘውፅኦ ዜና ናይቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ፖሊስ በዓልቲ ቤት ብሓሶት 22,700 ዶላር ምውሳዳ ገበነኛ ምዃና ድሕሪ ምእማና ብዋሕስ ክትፍታሕ ሓቲታ ምንባራን እቲ ፖሊስ ድማ ኣብቲ ምልውዋጥ ተኲሲ ከምዝሞተን ይገልጽ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG