ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ምክልኻል ኣኼባ ውድብ ዓረና ኣፍልጦ የብለይን ኢሉ


ከተማ ማይጨው
ከተማ ማይጨው

ውድብ ዓረና ትግራይ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ከተማ ማይጨው ዝጸውዖ ውድባዊ ኣኼባ ብሓይልታት ጸጥታ ተበቲኑኒ ክብል ምኽሳሱ ይዝከር። ኮሚሽነር ኮሚሽንን ፖሊስ ክልል ትግራይ ኮሚሽነር ዘኣማኑኤል ለገሰ ብዛዕባ እዚ ንፈልጦ የለን ክብሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

እቶም ኮሚሽነር ብተወሳኺ ሓላፊ ርኽብ ህዝቢ ዓረና ኣቶ ዓምዶም ገብረስላሴ ብዛዕባ እቲ ኣኼባ ኣቐዲምና ንኮሚሽን ፖሊስ ኣፍሊጥና ዝበልዎ እውን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ ኢሎም።

ምስ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ ኮሚሽነር ዘኣማኑኤል ለገሰ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ፖሊስ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ምክልኻል ኣኼባ ውድብ ዓረና ኣፍልጦ የብለይን ኢሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:07 0:00

XS
SM
MD
LG