ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣዘዝቲ ፖሊስ ዞባ ደጀን ኣብ ምብራቕ ጎጃም ተቐቲሎም


ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ኣባይ በረሃ አብ ዝተባህለ ከባቢ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ወረዳ ደጀንን ምኽትሎምን ሓደ ውልቀ ሰብ ብዝኸፈቶ ተኹሲ ከምዝተቐትሉ ኣብ ምብራቕ ጎጃም ሓላፊ ክፍሊ ፖሊስ ኮማንደር ኣያልነህ ተስፋይ ንድምፂ ኣመሪካ ሓቢሮም።

እቶም ኣዘዝቲ ፖሊስ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ናይ ሻምናይ ክፍሊ ክልላዊ ፈተና ተማሃሮ ኣብ ዝወሃበሉ ናይ ፀጥታዊ ስራሕ ንምክያድ ናብ ኩራር ዝተባህለ ቀበሌ ይኸዱ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ምቅታሎም ሓቢሮም። ይኹን እምበር እቲ ቅትለት ምስቲ ኣብቲ ክልል ዝካየድ ጎንፂ ዝተሓሓዝ ይኹን ኣይኹን ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG