ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ: ሓደ ፖሊስ ኣብ ውሽጢ ነቊጣ ፖሊስ ንሽዱሽተ መሳርሕቱ ኣባላት ፖሊስ ቀቲሉ


ኣብ ምዕራባዊ ኬንያ ሓደ ፖሊስ ኣብ ውሽጢ ፖሊስ ጣቢያ ንሽዱሽተ መሳርሕቱ ኣባላት ፖሊስ ቀቲሉ።

ንቶም ፖሊሳት ዝቐተለ ኣብ ቁፅፅር ዝወዓለ ናይ ኣል-ሸባብ መልማሊ ካብ ፖሊስ ብረት ብምምንዛዕ ዝብል ፀብፃብ ቅድም ክብል ወፂኡ ነይሩ።

ይኹን እምበር ኣብቲ ከባቢ ዝሰርሑ ሽሞም ዘይገለፁ ክልተ መኮነናት ፖሊስ ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃል እቲ ቐታሊ ሽሙ ማስላህ ዝተብሃለ ኬንያዊ ፖሊስ እዩ።

ብኻሊእ ዜና ድማ ኣባላት ኣል-ሸባብ ተባሂሎም ዝጥርጠሩ ዕጡቓት ኣብ ወሰን ማይ ኬንያ ንዝርከብ ፖሊስ ጣቢያ ዘይዕዉት መጥቓዕቲ ፈኒዮም ፖሊስ ነቲ መጥቓዕቲ ብምምካት ንብዙሓት ዕጡቓት ቀቲሎም ክብሉ ሓደ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ኬንያ ሓቢሮም።ክንደይ ከምዝተቐትሉ ግን ኣይገለፁን።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG