ፖሊስ ጥልያን ኣብ ሓደጋ ንዝወደቑ ስደተኛታት ብምሕጋዝ ዝፍለጡን ኣብ 2015 ሕፁይ ሽልማት ኖቤል ሰላምን ዝነበሩን ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ይምርመር ኣሎ።
ኣባ ሙሴ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ብማእኸላይ ባሕሪ ምስ ዝካየድ ምስግጋር ሰባት ብዝተሳሰረ ካብ ዝሓለፈ ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ልዕሊኦም ምርመራ ይካየድ ከምፀንሐን እቲ ናይ ምርመራ እዋን ክወድቕ ምስቐረበ ግን ዓቃቢ ሕጊ ንቤት ፍርዲ ሓቲቱ ስለዘሕደሶ ክፍርሙ ከምዝተሓተቱን ገሊፆም።
"ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ንዘለው ዝተፀገሙ ሰባት ንምሕጋዝ ካብቶም ስደተኛታት ናይ ቴሌፎን ፃውዒት እናተቐበልኩ ክሕግዙዎም ንሓይሊ ባሕሪ ጥልያን ካብ ምፍላጥ ወፃኢ ዝሰራሕኹዎ ገበን የለን’’ ይብሉ ኣባ ሙሴ።
መስራቲ ማሕበር ኤጀንሲ ሓበሻ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዝወደቑ ስደተኛታት ንምድሓን ዝገብሩዎ ምንቅስቃስ መናእሰይ ካብ ሃገሮም ንክወፁ የተባብዖም እንተኾይኑ ተሓቲቶም "ንኣባ ሙሴ ኣሚነ እየ ካብ ገዛይ ወፂአ ዝብል ሰብ ኣይረኸብኩን’’ ክብሉ መሊሶም።
ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።