ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጽንብል ስርሒት ፈንቅል ኔዘርላንድስን ኣመሪካን ተቓውሞ ይገጥሞ፡ መካይን ይቃጸላ


ዘ-ሄግ ኔዘርላንድስ
ዘ-ሄግ ኔዘርላንድስ

ብቐዳም 17 ለካቲት ንዝኽሪ ስርሒት ፈንቀል (ናጽነት ምጽዋዕ) ንምጽንባል ኣብ ዘ-ሄግ ኔዘርላንድስ ኣብ ዝተገብረ ምትእኽኻብ፡ ነቲ በዓል ንኽሰርዝ ድፍኢት ዝግበሩ ኤርትራውያን፡ ብዝተፈጥረ ምትፍናን፡ ሓያሎ መካይን ፖሊስ ዝርከበን በቶም ንምስራዝ እቲ በዓል ዝደፍኡ ከም ዝተቓጸላ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ድሒሩ ኣብ ዘስፈሮ፡ ኣብ ዘ-ሄግ ሽዱሽተ ኣባላት ፖሊስ ከም ዝቖሰሉን ካብቶም ናዕቢ ገይሮም ዝበሎም ወገናት 13 ምእሳሩን ንምንጭታት ፖሊስ ብምጥቃስ ኣስፊሩ።

እቲ ምትእኽኻብ ክስረዝ ዝሓቱ ዝነበሩ ተቓወምቲ ክልተ መካይን ፖሊስን ሓንቲ ናይ ወኪል ጕዕዞ ኣውቶቡስን ከም ዘቃጸሉ ፖሊስ ጸብጺቡ።

ኣብ ተመሳሳሊ ፍጻመ ኣብ ኣመሪካ፡ ኣብ ከተማ ቻርሎት፡ ሰሜን ካሮሊና፡ ኣብ መንጎ ንበዓል ስርሒት ፈንቅል ንምጽንባል ዝመጽኡ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራን ዝቃወሙ ወገናትን ንነዊሕ ሰዓታት ዝኸደ ምትፍናን ጽርግያ ምዕጻውን ኣኸቲሉ። እቲ በዓል ክስረዝ ኣበርቲዖም ጸቕጢ ዝገብሩ ዝነበሩ ኣማኢት ዝቝጸሩ ተሰለፍቲ፡ ንጽርግያ ብምዕጻዎምን ድሒሮም’ውን ተሳሓቢ ናይ ጽዕነት መኪና ስለ ዘቃጸሉን ፖሊስ እታ ከተማ ንሽሞንተ ውልቀሰባት ምእሳሩ ኣመልኪቱ። ከም ሓበሬታ ፖሊስ ክልተ ብረት’ውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተወሲደን ኣለዋ። ድሕሪ'ቲ ምቅጻልን ኣብኡ ዝነበረ ምትፍናንን ዝተጎድአ ወገን ዘይምንባሩ ድማ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ፖሊስ ነቶም ንኣስታት 10 ሰዓታት ዝኸውን ጽርግያ ዓጽዮም እቲ በዓል ንኽስረዝ ድፍኢት ዝግበሩ ዝነበሩ ዘንብዕ ጋዝ ገይሩ ክብትን ተደጋጋሚ ፈተነ ገይሩ’ዩ።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ፡ ብድጋፍን ምትሕባብርን መንግስቲ ኤርትራ ዝግበር ፈስቲቫላትን በዓላትን ናብ ጎንጺ ዝመርሕ ተቓውሞ ክጎንፎ ምጽናሑ ይዝከር። ካብ መንጎ’ቲ ዝጠቀስ ናብ ጎነጽ ዝመርሐ ተቓውሞ፡ ናይ ጊሰን ጀርመን፡ እስራኤል፡ ሽወደን፡ ካናዳ፡ ሲያትል ኣመሪካን ካልእን ይርከቦ። ንምስራዝ እቲ በዓል ዝቃወሞ ኣካላት፡ እቲ ምትእኽኻብ ነቲ ምልካዊ ዝብሉዎ መንግስቲ ኤርትራ መተኣኻኸቢ ገንዘብን መጎስጎሲን’ዮም ኢሎም ክምጉቱ እንከለዉ፡ ተሳተፍቲ እቲ በዓላትን ፈስቲቫልን ግን ከምኡ ከም ዘይኰነ ይዛረቡ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG