ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

' ንኢትዮዽያ ዝመርሑ ዘለው ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ‘ዮም' መንግስቲ ኢትዮዽያ


ኣብ‘ዚ ቀረባ ናብ ስርሖም ክምለሱ ምኻኖም‘ውን ሓቢሩ

መንግስቲ ኢትዮዽያ ዝሃቦ ሓበሬታ ከምዝደንጎየ ዝተቀበሉ ኣቶ በረከት ስምኦን፣መበገሲኡ ግና፣ ባህሊ ኢህወዴግን መንግስቲን ከምዝኾነ ጠቂሶም።

ንሶም ኣብ መግለፂኦም ”ዝፀንሐ ባህሊ መንግስቲን ኢህወዴግን ኣሎ‘ዩ። ጥዕናዊ ድዩ ካልእ ዋኒናት ውልቀ-ሰባት፣ንምግላፅ ንህወኸሉ ኩነታት ኣይፀንሓናን።ነዚ ነገር‘ዚ ድማ ስራሕ ህዝባዊ ርክባት ክንገብሮ ኣይደለናን”ይብሉ ንሶም።

ምሕማም ቀ/ሚ ሓድሽ ኣይኮነን፣ዓመታዊ ምርመራ ንምግባር ኩሉ-ሻዕ ናብ ካልእ ሃገር ይኸዱ ነይሮም ንዝብል ኣገላልፃ ግና ኣቶ በረከት ስምኦን ይነፅግዎ።ስሩዕ ምርመራ ከምዝገብሩ ግና ገሊፆም።

ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ሎሚ ዘጋጠሞም ፀገም፣ካንሰር ኣእምሮ ድዩ ንዝብል ዝቀረበሎም ሕቶ ድማ፣ካንሰር ኣይኮነ፣እቶም መስሃትያን ዝብልዎ ፅንኩር ሕማም ኣይኮነን ዝብል መልሲ ሂቦም።ዓይነት ሕማም ኣቶ መለስ ምግላፅን ዘይምግላፅን ግና፣ነቶም ቀ/ሚን ንዶክተሮምን እንተገደፍናዮ‘ዩ ዝሓይሽ ኢሎም።

ንኢትዮዽያ መን‘ዩ ዘማሓድራ? ንዝብል ካብ ጋዜጠኛታት ዝቀረበሎም ሕቶ ኣቶ በረከት ስምኦን ክምልሱ ከለው፣ ”ነዛ ሃገር መን‘ዩ ዝመርሓ ዘሎ? ንዝብል ሕቶ መልሱ ንሶም‘ዮም ዝመርሕዋ ዘለው ዝብል‘ዩ።ዝተለወጠ ነገር የለን።ክብለኩም ዝደሊ፣ነዛ ሃገር ይመርሑ‘ውን እንተለው፣ሰሙን‘ዩ ዓሰርተ መዓልታት ዕረፍቲ ኣድልዩዎም‘ሎ።የዕርፉ‘ለው ማለት ግና፣ኣብ ስልጣኖም የለውን ማለት ኣይኮነን።ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ናብ ስርሖም ክምለሱ‘ዮም” ኢሎም።

መንግስቲ ኢትዮዽያ ንጥዕናዊ ኩነታት ቀ/ሚ ዘይምግላፁ ካብ ተቃወምቲ እውን ነቀፌታ ኣስዒቡሉ‘ዩ።መንግስታዊ ሚድያታት፣ንፈለማ ጊዜ፣ብዛዕባ ጥዕና ቀ/ሚ ፀብፂበን‘ለዋ።ሎሚ ዓርቢ ዝተዋሃበ ሓድሽ ሓበሬታ ግና ዛጊድ የለን ይብል እስክንድር ፍሬው ዝላኣኾ ዜና።

XS
SM
MD
LG