ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮዽያ ንኩነታት ጥዕና ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ዝሓዘሉ ኣገባብ መዘራረቢ 3 ኢትዮዽያዊ ኮይኑ


መንግስቲ ኢትዮዽያ፣ብዛዕባ ጥዕና ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ እዋናዊ ሓበሬታ ዘይምሃቡ፣ካልኦት ሓይልታት ነቲ ምዕባለታት ተበሊፆም ክውኑን ዘይክውኑን ዜና ንከቃልሑ ዕድል ከምዝኸፈተ ኣጋይሽና ይገልፁ።

ይኹን‘ምበር፣እቲ ይቃላሕ ዝቀነየ ሻቅሎት ህዝቢ - ቀዳማይ ምንስትር ብዝተሰከምዎ ናይ ነዊሕ ዘመን ሓላፍነትን ስራሕን ፆር ክስዕብ ዝኽእል ቅልውላው ጥዕና ከምዝኾነ ህዝቢ ይርደኦ‘ዩ ይብሉ ሓደ ካብ ተሳተፍቲ።

ምንስትር ኮምኒኬሽን ኢትዮዽያ ሎሚ ሓሙስ ድሕሪ ምሳሕ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፣ኣቶ መለስ ድሕሪ ሕክምና ኣብ ዕረፍቲ ይርከቡ።ኣብ‘ዚ ቀረባ ናብ ስርሖም ክምለሱ‘ዮም ኢሉ‘ሎ።

ኣጋይሽና ካብ መቀለ ኣቶ ኣታኽልቲ ኪሮስ ሓላፊ ማይክሮፋይናንስ ልቃሕ ደደቢትን፣ኣባል ዓረና-መድረኽን ደራሲን ኣቶ ኣስራት ኣብራሃምን፣ካብ ካናዳ መሃንዲስን ኣብ ጉዳይ ኢትዮዽያ ተንታኒን ኣቶ ሙሉብርሃን ፀሃዬ’ዮም።በትረ ስልጣን‘ዩ ዓዲምዎም።

XS
SM
MD
LG