ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ኣብ ዘይሰርሕሉ እዋን - ሕገ-መንግስቲ’ዶ ተጣሒሱ?


ዝቃረኑ ገምጋማት ይቀርቡ

መንግስቲ ኢትዮዽያ ብዛዕባ ቀዳማይ ምንስትር መለስ ዜናዊ ዝሃቦ መብርሂ ዘዕግብ ኣይኮነን ዝብሉ ኣቶ ገብሩ ኣስራት፣ምንስትር ኮምንኬሽን ኢትዮዽያ፣ንኩነታት ቀ/ሚ ኣብ እዋኑ ዘይገለፀ፣ጠንቁ ዝፀንሐ ባህሊ ኢህወዴግን መንግስቲን ምግላፁ ዝዝከር‘ዩ።ብዛዕብኡ ዝተሓተቱ ኣቶ ገብሩ ኣስራት “እዚ ትኽኽል ኣይኮነን።ኢህወዴግ ሎሚ ይሰርሕ ዘሎ፣ ብናይ ገድሊ ኣሰራርሓን ኣካይዳን ኣይኮነን።ንሰማንያ ሚልዮን ህዝቢ ዝመርሕ ኢህወዴግ፣ብናይ ቀደም ባህሊ ዘይኮነስ፣ሕገመንግስታዊ ሓላፍነቱ‘ውን ፈሊጡ ክኸውን ኣለዎ” ኢሎም።

ሙሁር ፖለቲካዊ ሳይንስ ኣቶ የማነ ዘርኣይ ብወገኖም፣ቀዳማይ ምንስትር ኣብ ስርሑ ኣብ ዘይነብረሉ እዋን፣ምክትል ቀ/ሚ ነቲ ስራሕ ሸፊኑ ክሰርሕ‘ዩ።እዚ ማለት ግና ቀ/ሚ ኣብ ሓላፍነቱ የለን ማለት ኣይኮነን። ብሓደ ወገን ናይ ውልቀ-ሰባት ኩነታት ናብ ህዝቢ ምዝርጋሕ ግቡእ ዘይኮነሉ፣ብካልእ ወገን ህዝቢ ብዛዕባ መራሕቱ ናይ ምፍላጥ መሰል ኣብ‘ቲ ሕገ-መንግስቲ ከምዝተነፀረ ጠቂሶም።ፓርላማ ዕድመ ስርሑ ድሕሪ ሰላሳ ሰነ ዝናወሐሉ ሕገ-መንግስታዊ ባይታ ኣሎ’ውን ይብሉ።

XS
SM
MD
LG