ኣዲስ አበባ —
ቀዳማይ ሚኒስቴር ሃይለማርያም ደሳለኝ ንናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ናብ ቐጠር ከይዶም።
ዕላማ’ቲ ዑደት ርክብ ክልቲኣን ሃገራት ንምሕያል ዝዓለመ ምዃኑ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ መለስ ኣለም ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።
ቀዳማይ ሚኒስቴር ሃይለማርያም ደሳለኝ ናብ ቐጠር ዘምርሑ ሚንስተራትን ካልኦት ሰበ ስልጣን ዝርከብሉ ላዕለዎት ልኡኻት መንግስቲ ብምምራሕ’ዩ።