ኣዲስ አበባ —
ብቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝተመርሓ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ደሕንነት ሎሚ ቅነ ዝርዝር ውጥን ስርሑ ኣውጺኡ። ሓላፊ’ቲ ቤት ጽሕፈት ሚንስትር መከላኸሊ ሲራጅ ፈጌሳ ኽኮኑ ኸለው ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ዝረአዩ ጸገማት ጸጥታ ነባሪ ፍታሕ ንምምጻእ መሓውራት ጸጥታ ፈደራልን ክልል ብጥምረት ምስራሕ ኣድላይ’ዩ ኢሎም።
ኣብ ልዕሊ እዋናዊ ጉዳያት ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ መንግስቲ ዝተዘራረቡ ተቓወምቲ ግን ህላወ’ቲ ቤት ምኽሪ ከምዘይፈለጡ ገሊጾም።
እቲ ብቀዳማይ ሚንስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝተመርሓ አኼባ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ደሕንነት ሰበ ስልጣን ፈደራልን ክልላትን ኣመራርሓ መሓውራት ጸጥታ’ታ ሃገር ብነባሪነት ምሕላው ብዝብል ዘዳለዎ ዝርዝር ውጥን ስራሕ’ውን ምግላጹ መሓውራት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን።
ንመሓውራት ዜና እታ ሃገር መግለጺ ዝሃቡ ሚንስትር ምክልኻልን ሓላፊ’ቲ ቤት ጽሕፈት ቤት ምኽሪ ኣቶ ሲራጅ ፈጌሳ እዮም።