ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“40 ሚእታዊት ግምት ዕለታዊ አታዊ ጸገም አለዎ” ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ

  • መለስካቸው ኣምሃ
  • ምንያ ኣፈወርቂ

ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ግምት ዕለታዊ አታዊ 40 ሚእታዊት ጸገም ከምዘሎ ገሊጾም።

እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ነዚ ዝበሉ ኣብ መወዳእታ’ዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሸራተን አዲስ ሆቴል አዳራሽ ላሊበላ ምስ 1,200 ዝኾኑ ካብ ዝተፈላልየ ክልላትን ከተማታትን ዝመጹ አባላት ማሕበረሰብ ንግዲ እታ ሃገር ኣብ ዘካየድዎ ምይይጥ ምኳኑ ተገሊጹ’ሎ።

“ናትና ሰባት ዝገበርዎ ዓብይ ጌጋ ሓፈሻዊ አታዊ’ዮም ለጢፎም ሓፈሻዊ አታዊ ክረአ ከሎ እቲ ግብሪ ክንደይ ከምዝኸውን ንዘይረአየ ሰብ ዘሰንብድ’ዩ። ካብ ብዙሕ ተጎዳዲሉ እቲ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሽሕ ክኸውን ዝኽእል ግብሪ ሓደ ሚልዮን ዝብል ዝተለጠፈ’ዩ ነቲ ሰብ ናብ ሓዊ ኣእትይዎ’ዩ። እቲ ካልኣይ ዓብይን ጌጋ ኸአ እቲ ስራሕ ክስራሕ ኸሎ ተአኪብና ተዘራሪብና እናተባህለ ዝተሓልፈ ሪፖርት በዓል ጉዳይ ከይተዘራረበ ዝሓለፍ ጉዳያት ዋጋ ዘኽፍሉና ዘለው እዮም።ስዚጺ ህጽረት ሓበሬታን ግንዛበን ዝፈጠሮም ስርቂ ተሃዊስዎን’ዩ።እቲ 40 ሚእታዊት ግምት ዕለታዊ አታዊ ጸገም ከምዘለዎ ፈሊጥና ኣለና።”

እቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ ጌጋ ንምእራም ብፍላይ ኣብ አዲስ አበባ ስጉምቲ ይውሰዱ ከምዘለውን መፍትሒ ኣብ ምንዳይ ከምዘሎ ቀ/ሚንስትር ሃይለማርያም አብቲ አጋጣሚ ሓቢሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

XS
SM
MD
LG