ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ሶማል ፍሉይ ልኡኽ ሕ/ኣፍሪቃ ካብታ ሃገር ክወጽእ ኣዚዙ


ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ፍራንሲስኮ ሆዜ ማደርያ -ፋይል
ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ፍራንሲስኮ ሆዜ ማደርያ -ፋይል

ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል መሓመድ ሑሰን ሮብለ፡ ኣብታ ሃገር ንዝርከብ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ክወጽእ ኣዚዝዎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ሑሰን ሮብለ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣምባሳደር ፍራንሲስኮ ሆዜ ማደርያ፡ ካብ ዲፕሎማሲያዊ ስርሑ ወጻኢ ኣብ ዘይምልከቶ ጉዳይ ኣትዩ ክብል ብምኽሳስ ካብታ ሃገር ክወጽእ ኣዚዝዎ`ሎ። እንተኾነ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ነቲ ምስጓግ ዲፕሎማት ብኡ ንብኡ ነጺግዎ`ሎ፡እዚ ድማ ሓደ ካብቲ ኣብ መንጎ መራሕቲ ሶማል ዘሎ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ዘርኢ'ዩ።

ፕረዚደንት መሓመድ ኣብቲ መግለጺኡ፡ ኣብ ልዕሊ ኣምባሳደር ማደርያ ዝኾነ ስጉምቲ ክውሰድ ስልጣን ኣይሃብኩን ኢሉ። ኣተሓሒዙ፡ ነቲ ጉዳይ ዝምልከቶ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማል፡ እቲ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ልዕሊ ልዑላውነት ሶማል ዝኾነ ተግባር ምፍጻሙ ዝሃቦ ሓበረታ የለን ኢሉ`ሎ።

ኣምባሳደር ማደይራ ንርእይቶ ክርከብ ኣይተኻእለን። ወዲ ሞዛምቢክ ዝኾነ ማደይራ፡ ኣብ 2015`ዩ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ኣብ ሶማል ተመዲቡ። ካብ ሶማል ውጻእ ክብሃል`ውን ናይ መጀመርያ ኣይኮነን። ዝሓለፈ ሕዳር`ውን ምኽትሉ ዝነበረ ሲሞን ሙሎንጎ ውጻእ ተባሂሉ ወጺኡ`ዩ።

ኣብ 2019 ድማ፡ መንግስቲ ሶማል ንወኪል ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ኒኮላስ ሃይሶም ኣባሪርዎ`ዩ።ምኽንያት መባረሪኡ ድማ፡ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ዓመት ኣብ ልዕሊ`ቶም ኣብ ባይደዋ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዝወጹ ሰባት ዝተፈጸመ ተኹሲ፡ ሕቡራት ሃገራት ዝምውሎም ወተሃደራት ኢድ ኔሮም እንተኾይኑ ካብ መንግስቲ ምላሽ ድሕሪ ምሕታቱ`ዩ።

እዚ ዳሕራዋይ ምብራር ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ዝስማዕ ዘሎ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ንኣሚሶም ዝትክእ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓዲሽ ተልእኮ ምስግጋር ኣብ ሶማል ክምደብ ኣብ ዝወሰነሉ እዋን`ዩ።

እቲ ብ`ኣትሚስ` ዝጽዋዕ ሓዲሽ ናይ ተልእኮ ሓይሊ ክሳብ 2024 ክጸንሕ ተመዲቡ`ሎ፡ ዕላምኡ ድማ ስግኣት ኣልሸባብ ምንካይ፡ ምሕጋዝ ምህናጽ ዓቕሚ ሰብን ምውህሃድ ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን ሶማል`ዩ።ቁጽሪ ወተሃደራቱ ድማ ልዕሊ 19 ሺሕ ይኸውን።

ገለ ተንተንቲ ጸጥታ ግን፡ ናይ ሽም ምልውዋጥ እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ መንጎ `ኣሚሶም`ን `ኣትሚስ`ን ፍልልይ ከምዘይርኣዮም ይገልጹ።

XS
SM
MD
LG