ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ሃገራት ኣፍሪቃ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብርቱዕ ፋይናንሳዊ ጸቕጢ ገጢምዎን ኣሎ" ቀ/ሚ ኣብይ


ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ክንዲ ኣብ ልምዓት ኣብ ምሕደራ ዕድኣን ከተኩራ ዝገበረን ተራእዩ ዘይፈልጥ ብርቱዕ ፋይናንሳዊ ጸቕጢ ገጢምወን ከምዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ሓሙስ 22 ሰነ 2023 ኣብ ፓሪስ ንዝተኣከበ ዋዕላ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ነታ ኣህጉር ኣጋጢምዋ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ኣብ ዝዓለመ ለውጢ ዝተፈላለየ ባንክታት ልምዓት ዓለም ዓብይ ግደ ክፃወታ ፀዊዖም።

ኣብዚ “ሓድሽ ዓለማዊ ውዕል ገንዘብ” ዝተሰየመ ኣብ ርእሰ ከተማ ፈረንሳ ፓሪስ ዝተጋብኣ ዋዕላ ካብ ኣፍሪቃ፡ ቻይናን ብራዚልን ሓዊሱ 40 መራሕቲ ሃገራትን ዓለምለኸ ትካላትን ተረኺቦም’ለዉ። ዕላማ'ቲ ዋዕላ ምሕያል ፋይናንስ ትሑት ኣታዊ ዘለወን ሃገራት፡ምምሕያሽ ቁጠባ ካብ ኹናት ዝወጻ ሃገራትን ብለውጢ ክሊማ ዝስዕቡ ጸገማት ንምፍታሕ ኣብ ሰንከልከል ዘሎ ዓለምለኸ ፕሮጀክታት ከም ናይ ጉጅለ-20፡ ባንኪ ዓለምን ሕቡራት ሃገራትን ዝውዕል ገንዘባዊ ሓገዝ ምብርካትን ካልኦት ሓያለ ተበግሶታት ንምዝርራብ’ዩ።

እዚ ንክልተ መዓልታት ዝካየድ ኣኼባ ኣብ ድኽነት፡ ለውጢ ኸሊማን ዓለምለኻዊ ስርዓተ ገንዘብን ከም እንደገና ንምቅራፅን ዝብሉ ዛዕባታት ከምዝዘራረብ ተሓቢሩ'ሎ።

ነቲ ዋዕላ ዘዋደድዎ ፕረዚደንት ፈረንሳ ማኑኤል ማክሮን ኣንፃር ድኽነት ዝግበር ቃልሲ ንዓለማዊ ዋዒን ንምግታእ ዝግበር ፃዕርታትን ዝበሉ ኩሎም ዝተኣሳሰሩ’ዮም ኢሎም።

እቲ ዋዕላ ብተወሳኺ ለበዳ ኮቪድ 19 ኹናት ዩክረይን ቅልውላው ዓለማዊ ልቃሕን ዘስዓቦ ምንካይ ማእኸላይ ዕድመ ወዲሰብን ምውሳኽ ድኽነትን ክዘራረበሉ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG