ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚንስትር እስራኤል ንመንበሪ ትሑት አታዊ ዘለዎም ዝኾነ ደቡባዊ ክፋል ከተማ ቴል ኣቪቭ በጺሖም


ካቢነ እስራኤል
ካቢነ እስራኤል

ቀዳማይ ሚንስትር እስራኤል ቤንያሚን ነታንያሁ መንበሪ ትሑት አታዊ ዘለዎም ዝኾነ ደቡባዊ ክፋል ከተማ ቴል ኣቪቭ በጺሖም።

ንሶም ኣብቲ ሓሙስ 31 ነሓሰ,2017 ዓ.ም ኣብ ደቡባዊ ቴል ኣቪቭ ዘካየድዎ ምብጻሕ “ ደቡባዊ ክፋል ከተማ ቴል ኣቪቭ ንህዝቢ እስራኤል ክምለስ እዩ” ክብሉ ቃል ብምእታው፡ እዚ ዝኸውን ድማ ኣብቲ ቦታ ዘለው ስደተኛታት ብምስጓግ ኢሎም።

ቀ/ሚንስትር ነታንያሁ ኣብታ ሃገር ዘለው ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን “ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ሰሪጎም ዝኣተው እዮም እምበር ስደተኛታት ኣይኮኑን” ዝበሉ ኮይኖም እስራኤል ድማ ዶባታ ናይ ምህላው መሰል አለዋ ኢሎም።

ተሓላቒ መሰላት ስደተኛታት ማይ ጎለን እቲ ምብጻሕ ቀዳማይ ሚንስትር ነታንያሁ ናብታ ቦታ ጽቡቕ ተበግሶ ምኳኑ ብምግላጽ እንተኾነ ብሰንኪ ልዑል ሓለዋ ጸጥታ እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ነቲ ኩነታት ምሉእ ንምሉእ ኣይፈለጥዎን ትብል።

ኤርትራዊ ስደተኛ ጆን ካርል ብወገኑ እቶም ቀዳማይ ሚንስትር “ ምሳና ምስቶም ማሕበረሰብ ስደተኛታት እንተዝዘራርቡ ዝነበሩ” እቲ ካልእ ክፋል እቲ ሕብረተሰብ ድማ ምስምዕዎ ኔሮም ይብል።

እስራኤል ኣብታ ሃገር ዘለዎ ብኣሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ መብዛሕትኦም ካብ ኤርትራን ሱዳንን ዝመጹ ስደተኛታት ኩነታት ንምቁጽጻር ኣብ ቃልሲ ትርከብ።

እዞም ስደተኛታት ኣብ ሃገሮም ካብ ዘሎ ግጭትን ስቕያትን ሃዲሞም ዝመጹ ምኳኖም ይገልጹ እስራኤል ድማ ብሰንኪ ቁጠባ ዝተሰዱ እዮም ትብል ብተወሳኺ ምብዛሕ እዞም ስደተኛታት ኣብ ደቡባዊ ከተማ ቴል ኣቪቭ ንኣይሁድ እታ ሃገር ስግኣት ዝፈጠር ምኳኑ ትገልጽ።

እስራኤል ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ሃገራ ንምጉዳል ምስ ግብጺ ኣብ ዘዋስና ዶባታ መንደቕ ዝሃነጸት ክትኸው ከላ ኣብታ ሃገር ንዘለው ስደተኛታት ድማ ኣብ መዳጎኒ ማእኸል ክጸንሑ ወይ ናብ ሳልሳይ ሃገር ክኸዱ አለዎም ብዝብል መምርሒ ትኽተል።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ሳልሳይ ሃገር ዝለአኹ ስደተኛታት ልዕሊ 60 መዓልታት ኣብ ማእሰርቲ ክጸንሑ የብሎምን ዝብል ዘሕለፎ ውሳኔ ብኣባላት ገዛኢ ፓርቲ ሊኩድ ተሪር ነቐፌታ ምርካቡ ይፍለጥ።

ካልኦት አባላት ካቢነ ሚንስተራት ነቲ ውሳኔ ዝልውጥ ረቒቅ ከምዘቕርቡ’ውን ገሊጾም አለው።

XS
SM
MD
LG