ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይን መሪሕነት ክልል ትግራይን ስምምዕ ፕሪቶሪያ ንምግምጋም ይራኸቡ


ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንስምምዕ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ንምግምጋም ምስ መራሕቲ ህወሓትን ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይዘራረብ ምህላዉ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝወጽአ መግለጺ ይሕብር።

ኣብቲ ርክብ፡ ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝፈረሙ ካብ መንግስቲን ተወከልቲ ህወሓትን ተረኺቦም ኣለዉ። ብዘይካ’ቶም ፈረምቲ ወገናት፡ ኣብዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዘሎ “ንምዕባለ እቲ ስምምዕ ብዕምቆት ዝግምግም ናይ ፈለማ ተበግሶ” ዝተባህለ ርክብ ኣቦ-መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል’ውን ይሳተፍ ኣሎ። ፕረዚደንት ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ምኽትላቱ ኣዘዘቲ ሰራዊትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ ብወገን መንግስቲ ፈደራል’ውን እቲ ርክብ ንሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብርሃም በላይ ዝሓቘፈ’ዩ።

መግለጺ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር፡ እቲ ርክብ ንድሕሪ ኲናት ኣብ ዝግበር ዳግመ-ህንጻን ትግባረ ስምምዕ ፕሪቶሪያን ብዕምቆት ክግምግም ምዃኑ ይጠቅስ። ካልእ ዝርዝር ናይቲ ርክብ ግን ዛጊት ኣይቀረበን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG