ዋሽንግተን —
ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናራንድራ ሞዲ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ሞስኮ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑትን ኣብ ዝተራኸብሉ እቲ ብዝበለጸ ዘድሊ ሰላም ምኳኑን ኵናት ጸገማት ከም ዘይፈትሕን ገሊጾም።
ሞዲ ኣብ ጎኒ ፕረዚደንት ፑቲን ኮፍ ኢሎም ብቋንቋ ህንዱ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ "ከም መሓዛ መጠን ንብሩህ መጻኢ ወለዶና እቲ ዝለዓለ ኣገዳሲ ነገር ሰላም ምኻኑ ይዛረብ ኣለኹ" ኢሎም።
"ንጹሃት ቆልዑ ክቅተሉ ከለዉ ምርኣይ ንልቢ ዘቆንዙ እዩ" ዝበሉ ሞዲ እዚ ቃንዛ እዚ ከኣ ዘይጽወር እዩ ክብሉ ወሲኾም ገሊጾም።
ኣብዚ ዑደቶም ሞዲ ምስ ፑትን ኣብ ጉዳይ ወፍሪ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ምምይያጦም እውን ተገሊጹ'ሎ።
ከም ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ኣብ ብዙሓት ጉዳያት ተመያይጥና ዝበሉ ናራንድራ ሞዲ ብዛዕባ ዩክሬይን ብግልጺ ሓሳብና ርእይቶናን ብግልጺ ክንዘራረብ ብምኽኣልና ሕጉስ እየ ኢሎም።
ሞዲ ሞስኮ ዝኣተዉ ሩስያ ዓሰርተታት ዝቐተለ ብርቱዕ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ከተማታት ዩክሬይን ድሕሪ ምክያዳ ድሕሪ ሰዓታት እዩ። እዚ ስጉምቲ ሩስያ ብመንግስታት ኣውሮጳን ኣመሪካን ተነቂፉ'ሎ።
ቅጥዒ