ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብ ግብጺ ዑደት ንምክያድ ዝሓዝዎ መደብ ከምዝቕጽል ተገሊጹ


ወሃቢ ቃል ሚንስትር ወፃኢ ጉዳያት ኣቶ መለስ ኣለም - ፋይል
ወሃቢ ቃል ሚንስትር ወፃኢ ጉዳያት ኣቶ መለስ ኣለም - ፋይል

ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማሪያም ደሳለኛ ኣብ ግብጺ ዑደት ንምፍጻም ዝሓዝዎ ትልሚ ከምዝቕፅል ሚንስትር ወፃኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማሪያም ኣብ ፓርላማ ግብጺ መደረ ከየስምዑ ሓደ ሓደ ኣባላት ፓርላማ ወፍሪ የካይዱ ምህላዎም ዝተሓተቱ ወሃቢ ቃል ሚንስትር ወፃኢ ጉዳያት ኣቶ መለስ ኣለም ናይዚኦም ምንቅስቓስ ነቲ ዑደት ኣየሰናኽሎን እዩ ኢሎም።

ኣስታት 19 ዝኾኑ ኣባላት ፓርላማ ግብፂ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ኣብ ፓርላማ መደረ ንኸስምዑ ፊርማ የተኣኻኽቡ ከምዘለው ንፍለጥ ኢና ግን 596 ኣባላት ፓርላማ ካብ ዝሓዘ ከምዚ ምምፅኡ ከገርመና ይብሉን ኢሎም።

“ግብፂ 596 ኣባላት ፓርላማ እዩ ዘለዋ።ካብዚኦም ኣስታት 18 ዝኾኑ ናይ ውልቂ ተወዳደርቲን ሓደ ጥራሕ ንፓርቲ ዝወከለን እዩ።ክንድዚኦም ዝኾኑ ኣባላት ፓርላማ ሕቶ ምልዓሎም ከም ተኣምር ኣይወሰድናዮን ምኽንያቱ ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ክህልው ትፅቢት ስለዘይግበር እዮም።”

ንሶም ብተወሳኺ እቲ ምትኽኻብ ፊርማ ዘምፅኦ ለውጢ እውን የለን ኢሎም።ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለፂ ካብ ስዑዲ ዓረብ ይምለሱ ብዛዕባ ዘለው ኢትዮጵያዊያን ክዛርቡ ከለው ናይ ምምላስ ፃዕሪ ይካየድ ኣሎ ክቕፅል እውን እዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG