ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ኣብ ክልላት ኦሮምያን ሶማሌን ብዕጡቓት ዝፍጸም መጥቓዕትታት ደው ንምባል ናይቲ ክልል መንግስታት ብሓባር ይሰርሑ ኣለው" ቀ/ሚ ሃይለማርያም


ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ - ፋይል
ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ - ፋይል

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ዶባት ወረዳታት ክልላት ኦሮምያን ሶማሌን ብዕጡቓት ዝፍጸም መጥቓዕትታት ደው ንምባል መንግስታት ክልቲአን ክልላት ብሓባር ይሰርሑ’ለው፡ፈደራል መንግስቲ’ውን ብቀረባ ይደጋገፍ ኣሎ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣፍሊጦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ነዚ ዝበሉ ብምኽንያት ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ምስ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ዝመጻ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዘኻየድዎ ልዝብ ኮይኑ ንፈለማ ጊዜ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ዝተዛረቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ካብ መንጎ’ተን ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ኣልዒላ ግዳያት’ቲ ጎነጽ ኣንስትን ህጻናትን እዮም ስለዚ እንታይ ይሕሰብ ኣሎ ክትብል ንዘቕረበትሎም ሕቶ ከምዚ ክብሉ ምላሽ ሂቦም ኣለው።

“ እቲ ጸገም ኣብ መንጎ ህዝብታት ስለዘይኮነ መፍትሕኡ’ውን ዘሎ ንህዝብታት ብሓደ ብምትእስሳር ነዚ እኩይ ተግባር ዝፈጽሙ ሓይልታት ጸጥታ ኾነ ኣብ መሪሕነት ዘለዎ ብሕግን ብስርዓትን ክግዝኡ ምግባር’ዩ።ነቲ ግጭት ዝፈጥሩ ኣብ መሪሕነት ዘለው ምኻኖም ተፈሊጡ’ሎ። ስለዚ ዝተጻረየ ስጉምቲ ብምውሳድ ህዝብታት ተቀራሪቦም ነቲ ጉዳይ ባዕላቶም ከም ዝፈትሕዎ ርግጸኛታት ኮይና ምዝራብ ይክኣል።”

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG