አዲስ አበባ —
እታ ሃገር ቁጠባን ማህበራዊ መሰላትን ብመዳይ ምሕላው ዝምስገን ውጽኢት ኣመዝጊባ ክብላ ሓንቲ ወኪል ዓለምለኸ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ተዛሪበን።
ትማሊ ኣብ አዲስ አበባ መአኸቢ አደራሽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተኸፍተ ካልኣይ ሃገራዊ መርሃ ግብሪ ሰብኣዊ መሰላት መድረኽ ትግባረን ምኽክርን ዝተረኽቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ እቲ ሰነድ ዝተዳለወሉ ምክንያት መንግስቲ ስቕ ኢሉ ዝተለምደ አሰራርሓ ስለዝኾነ ወይ ኸአ ቀልቢ ለገስቲ ንምምራኽ ኣይኮነን እንታይ ደአ ጉዳይ ዲሞክራስን ሰብአዊ መሰላትን መሰረት ህልውና’ታ ሃገር ስለዝኾነ ነዚ ብምግንዛብ ካብ ልቢ ብምቅባልን ብምእማንን’ዩ ኢሎም።