ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ዋዕላ ለውጢ ክሊማ ፓሪስ ንሽርክናን መኸተ ኣንጻር ካርቦን ጸዊዖም


ኣስታት 200 መራሕቲን ወከልቲን ሃገራት አብ ዝሳተፋሉ ዘለዋ ዋዕላ ለውጢ ክሊማ ፓሪስ፣ ናብ ሰማይ ዝልቀቅ ጋዝ (ካርበን ኢምሽን) ብከመይ ይጎድል ኣብ ዝብል ኣጀንዳ ነናይ ገዛእ ርእሶም መርገጺ ድሕሪ ምግላጾም፣ ንዓለማዊ ዋዒ ንምቁጽጻር ዝከኣለሉ ውዕል ንምኽታም ይሰርሑ’ለው።

ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ፎረም ንጽልዋ ንለውጢ ኣየር ዝተቃላዓ ሃገራት ኮይና ንሓደ ዓመት ንክትመርሕ’ውን ተመሪጻ’ላ።

ዝናብ እዚ ዘበን’ዚ ክትግምቶን ክትውከለሉን ዘይካኣል ኮይኑ’ሎ ዝበሉ ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ፣ ጽንኩር ደርቂን ብርቱዕ ውሕጅን ተደጋጋሚን ኣዕናዊን እናኾነ ይመጽእ ኣሎ ኢሎም።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ንፕሮጀክትታት ሓምላይ ቁጠባ ቢልዮናት ዶላራት ሃገሮም ከምትሰልዕ ዘፍለጡ ፕረዚደንት ፈረንሳ ፍራንስዋ ኦላንድ ብወገኖም፣ ዕጫ’ቶም ኣብ ጥቃ ቀላይ ቻድ ዝነብሩ ሰባት ንምድሓን፣ ከይደንጎና ግብረ-መልሲ ክንህብ ይግባእ ኢሎም።

ዋዕላ ፓሪስ ብሕልፊ ንመራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። ኪንዮ'ቲ መግለጺታትን መብጻዓታትን ዝበልጸጋ ሃገራት ግብራዊ መልሲ ክህባ ኣለወን’ዮም ይብሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG