ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚንስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘጋጠመ ጎንጽታት ዝተሰምዖም ጓሂ ገሊጾም


ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ሎሚ ቅነ ኣብ ምብራቕን ምዕራብ ሃረርጌ ከምኡ’ውን ኣብ ካልኦት ከባቢታት’ታ ሃገር ብዝተፈጥሩ ጎንጽታት ህይወት ሰብ ብምጥፍኡ ዝተሰምዖም ጓሂ ገሊጾም።

መንግስቲ ንዝተፈጥሩ ጎንጽታት ከምዘጻርይንን ውጽኢቱ ንህዝቢ ከምዘፍልጥ ገሊጾም።

እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዚ ናይ ሓዘን መግለጺኦም ኣብ ክልላት ኦሮምያን ሶማሌን ተዳወብቲ ወረዳታት ዝተፈጥረ ጎንጺታት እንደገና ከምዝደገሰ ኣብ ዝገለጽሉ እዋን እዩ።

“እቲ ጎንጺ ኣብ ቀረባ መሊሱ ዝደገሰ ኽከውን ከሎ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታትና ናይ ሞት ጉድአት፡ ናይ አካልን ንብረትን ዕንወት የስዕብ’ሎ። ኣብ ምዕራብ ሃረርጌ ወረዳ ድሮ ለቢ ቀበሌ ጋዲለ ንደሕንነቶም ተባሂሉ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ተዓቑቦም ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ኢትዮጵያዊያን ተወለድቲ ሶማሌ ጃምላዊ ቅትለት ተፈጺሙ’ሎ። መንግስቲ ነቲ ተግባር የወግዝ። ነቲ ጉዳይ ዘጻርይ ግብሪ ሓይሊ ምምስራቱ ክግለጽ እፈቱ።”

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG