ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ሃይለማርያም ብዛዕባ ውክልና ፓርላማ ምስ ኣባላት ሸሞንተ ፓርትታት ተዘራሪቦም


ኣብ ስርዓት ውክልና ፓርላማ ዝርርብ ክግበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ፍቓደኛ ምዃኖም ናይ ኢትዮጵያዊያን ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ/ኢዴፓ/ ፕሬዝዳንት ዶ/ር ጫኔ ከበደ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

ዝተፈላለዩ ፓርትታት ናይ ፓርላማ ውክልና ክህልዎም ዘኽእል ስርዓት ክሳብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዝርርብ ክገበረሉ ከምዝኽእል ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ተስፋ ሂቦምና ኣለው ኢሎም ዶ/ር ጫኔ።ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ኢዴፓ ሓዊሱ ሸሞንተ ፓርትታት ኣባላት ዝኾኑሉ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ኣብዚ ሰሙን እዚ ተዘራሪቦም ኣለው።

547 መናብር ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ክልላት ምርጫ ብዝሒ ድምጺ ብዝረኸቡ ተወዳደርቲ ይትሓዝ።እታ ሃገር ትኽተሎ ስርዓት ኣብ ብዝሒ ድምጺ ፓርላማ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኢዴፓ ሓዊሱ ምስ ኣባላት ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ፖለቲካዊ ፓርታት ኣብ ዘካየድዎ ዝርርብ እዚ ኣሰራርሓ ብዛዕባ ዝቕየረሉ ዕድል ከምዝተልዓለ ናይ ኢዴፓ ፕሬዝዳንት ዶ/ር ጫኔ ገሊጾም።

ኣብ ኢትዮጵያ ይስርሐሉ ካብዘሎ ስርዓት ኣብ ብዝሒ ድምጺ ተመጣጣኒ ናይ ውክልና ስርዓት ዴሞክራሲያዊ እዩ ኢሎም ዶ/ር ጫኔ።ኣብ ብዝሒ ድምጺ ካብ ዝተረኸበ ፓርቲ ብተወሳኺ ካልኦት እውን ብዝመረጾም ብዝሒ ህዝቢ ናይ ፓርላማ መንበር ክረኽቡ ዘኽእል እዩ።

ብዛዕባ እቲ ሕቶን መልሲ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያምን ከምዚ ይብሉ ዶ/ር ጫኔ።

‘ብወገኖም ተጸኒዑ፣ምሁራን ተሳቲፎምሉ፣ፖለቲካዊ ፓርቲ እውን ዘጸንዕዎ ሒዞም፣መድረኽ ተፈጢርሉ፣ብልዝብ ደንፊዑ፣ንወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ዝጸድቐሉ መንገዲ ምድላው ይክኣል እዩ ዝብል ተስፋ ሂቦምና ኣለው።’

ነዚ ናይ ፓርላማ ስርዓት ጥራሕ ከይኮነስ ኣብ ኩሉ ጉዳያት እውን ብዝተጸንዐ ኣገባብ ምዝርራብ ከምዝክኣል ኣብ ምርድዳእ ምብጽሑ ወሲኾም ሓቢሮም።

ኣብዚ ጉዳይ ኣባላት ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ኣበርቲዖም ክሰርሑ፣ኩሎም ሓላፍነት ከምዘለዎም፣ንናይ ባዕሎም ሽግር መርሚሮም ሓይሎም እንተቐሪቦም ብወገን ኢህወዴግ እውን እዚ ተሳትፎ ብስፍሓት ክደፍኣሉ ከምዝኽእል፣ከምዚ ዝበለ ሃዋህው እንተተፈጢሩ እቲ መስርሕ ኣብ ሓጺር እዋን ምግምጋም ዘኽእል መድረኽ ከምዝህልው ገሊጾምልና ኣለው ኢሎም ዶ/ር ጫኔ ከበደ።

ናይ ሕገ መንግስቲ ዓንቀጽ ብዛዕባ ዝመሓየሸሉን እንዳሰፍሐ ዝኸደሉ መንገዲ ክህልው እዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎምን፣ከምዚ ዝበለ መድረኽ ምኽፋቱ ብባዕሉ እቲ ሕገ መንግስቲ ንምምሕያሽ ሓደ ስጉምቲ ናብ ቅድሚት ዝወስድ እዩ ኢሎም ዶ/ር ጫኔ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቀ/ሚ ሃይለማርያም ብዛዕባ ውክልና ፓርላማ ምስ ኣባላት ሸሞንተ ፓርትታት ተዘራሪቦም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:52 0:00

XS
SM
MD
LG