ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ብሪጣንያ ንዳግመ ምትዕርራይ ሕጊ ሕብረት ኣውሮጳ ይጽውዕ


ህዝቢ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ 28 ዝአባላቱ ህብረት ኣውሮጳ ንጽናሕ'ዶ ኣይፋልናን አብ ዝብል ረፈረንደም ቅድሚ ምስታፉ ንዳግመ ምቋም እቲ ሕብረት ተኸታተልቲ ስጉምትታ ክወስድ ቀ/ሚ ዴቭድ ካሜሮን ጸዊዖም።

ሓደ ካብቶም ጠለባት መሰል'ተን ዮሮ ዘይጥቀማ ሓደ ሲሶ አባል ሃገራት ምሕላው ዝብል'ዩ። ሕብረት አውሮጳ ሓደ ባጤራ'ዩ ዝጥቀም እንተተባሂሉ ግና ብሪጣንያ ኣይምልከታን'ዩ ኢሎም ቀ/ሚ ካሜሮን።

ወሃቢት ቃል ሕብረት አውሮጳ ማርጋሪታ ሽናስ ግና 'ሚስተር ካሜሮን ዘቃልሕዎም ጠለባት ንመሰረታዊ ነጻነትን መትከላትን ውሽጣዎ ዕዳጋ ዘናውጽ ስለዝኾነ ንምትግባሩ አጸጋሚ'ዩ ኢላ።

ቀ/ሚ ካሜሮን ግና አብ ብሪጣንያ ድሕሪ ክልተ ዓመት ረፈረንደም ክካየድ ከምዝኽእልን ህዝቢ ይትረፈና እንተይሉ እቲ ውሳነ ናይ መወዳእታ አሳሪን ክኾን'ዩ ካልኣይ መዓልቲ ልዝብ ወይ ረፈረንደም ዝባሃል ነገር ኣይልዓልን'ኢሎም።

XS
SM
MD
LG