ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ዝአተውዎ ቃል ክትግብርዎ ትጽቢት ንገብር” መራሕቲ ተቓወምቲ ፓርቲታት


ሓድሽ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝአተውዎ ቃል ክትግብርዎ ትጽቢት ንገብር ክብሉ መራሕቲ ተቓወምቲ ፓርቲታት ሓቢሮም።

ምስ ዝተፈላለዩ አባላት ማሕበረሰብ ዘካየድዎ ልዝብ ዝቀጸሉ ቀዳማይ ሚንስትር አብይ ሎሚ አማስይኡ ምስ ተወከልቲ ተቓወምቲ ፓርቲታትን ሲቪክ ማሕበረሰባትን ተራኺቦም ተዘራሪቦም።

እንተኾነ እዚ ርኽባት ንሓያለ መሓውራት ዜና ዕጽው ምኻኑ ኣብቲ ስነ ስርዓት ዝተረኽቡ መራሕቲ ክልተ ተቓወምቲ ፓርቲታት ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም።

ሎሚ አማይስይኡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ይካየድ ኣብ ዘሎ ናይ ድራር እንግዶት ዝተረኽቡ መራሕቲ ሲቪክ ማሕበረሰባትን ተቓወምቲ ፓርቲታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ውሩያት ውልቀሰባትን እዮም።

ቀዳማይ ሚንስትር አብይ ኣሕመድ ኣብቲ ስነ ስርዓት ሓጺር መደረ ምግባሮምን ነቲ ኣብ ፓርላማ ዝአተውዎ ቃል ደጊሞም ከምዝረጋገጹን እቶም መራሕቲ ተቓወምቲ ፓርቲታት ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG