ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ምስ ልኡኽ ቻይና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም


ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ማእከላይ ኮሚተ ኮሚሽን ኮሚኒስት ፓርቲ (CPC) ዋንግ ዪ ብዓርቢ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም ድሕሪ ምዝርራቦም ሓባራዊ ምትሕብባራት ንምግባር ቃል ኣትዮም።

ኣባል ቤት ፅሕፈት ማእኸላይ ኮሚቴ ቻይና ዋንግ ናብ ኢትዮጵያን ዝበፅሑ ኣብ መበል 13-ኣኼባ ሃገራዊ ኣማኸርትን ላዕለዎት ወከልቲን ሃገራት ብሬክስ ንምስታፍ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘምርሕሉ ዝነበሩ’ዮም ።

ኣብቲ ርክብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ብዛዕባ ቻይና ንሃገራዊ ረብሓኣ ብዝጥዕም ንዝተኸተለቶ ፅኑዕ መገዲ ዕብየት ማሕበረ-ቁጠባን ንዘመዝገበቶ ዓብይ ዕብየትን ክብ ኣቢሎም ብምግላፅ እዚ ንካልኦት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ኣብነት’ዪ ምባሎም ተገሊፁ’ሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ወሲኾም ሃገሮም ፀገም ኣብ ዝገጠማ ግዜ ቻይና ንዝሃበታ ፅኑዕ ደገፍ ፈፂማ ከም ዘይትርስዖ ብምግላፅ ቻይና ዓባይን ትተኣማመነላ መሓዛኣ'ያ ክብሉ ተዛሪቦም።

ዋንግ ብወገኖም ኢትዮጵያ ኣገዳሲ ፅልዋ ክተሕድር እትኽእል ኣፍሪቃዊት ሃገር'ያ ዝበሉ ኮይኖም ቻይናን ኢትዮጵያን ከም ስትራቴጂካዊ መሻርኽቲን ሓባራዊ ዕላማን ባህግን ዘለወን ኣብ ተበግሶ ቅናት መንገዲን መድረኽ ምትሕብባር ቻይና-ኣፍሪቃ ውፂኢታዊ ፍረ ኣርእየን ኢሎም።

ኣብ መፃኢ’ዉን ቻይና ምስ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ኣብ ንግዲ፡ ወፍሪ፡ ሓምላይ ምዕባለ፡ ዲጂታል ቁጠባ፡ ጥዕናን ካልኦት መዳያትን ሓቢራ ንምስራሕ ድልውቲ ምዃና ደጊሞም ኣረጋጊፆም’ለዉ ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG