ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣቢይ መቓዲሾ በጺሑ ተመሊሱ፡ ኣልሸባብ ተወንጫፍ ተኩሶም


ምብጻሕ ቀ/ሚ ኣብይ ኣብ ሶማል
ምብጻሕ ቀ/ሚ ኣብይ ኣብ ሶማል

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ ሓሙስ ከባቢ ሰዓት 10፡00 ንግሆ ብኣቆጻጽራ ሰዓት መቓዲሾ ኣትዩ፡ ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ሰዓታት ጻንሖትን ምርኻብ ምስ ላዕለዎት ሰብ-መዚን እታ ሃገር ንኢትዮጵያ ተመሊሱ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ምስ ሶማላዊ መዘናኡ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ፡ ክልተኣን ሃገራት ኣብ ጸጥታን ካልእ ንግዳዊ ሽርክነትን ኣበርቲዐን ክሰርሓ ከም ዝተሰማምዓ ተገሊጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ቀ/ሚ ኣቢይ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝኣትወሉ ሰዓታት ኣልሸባብ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣቢሉ ሓያሎ ቦምባታት ተኲሱ። እንተዀነ እቲ በቲ ዝተተኰሰ ቦምባታት ዝወረደ ክሳራ ዛጊት ኣይተመዘገበን።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG