ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣቢይ "ኢትዮጵያ ብሓይልን ወራርን ከተዕውቶ ትደልዮ ነገር የለን"


ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ
ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኢትዮጵያ ብሓይልን ወራርን ክተዐውቶ ትደልዮ ወላ ሓንቲ ነገር የለን ኢሉ።

ብምኽንያት ሃገራዊ ወተሃደራዊ መዓልቲ ሎሚ ሓሙስ 26 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኣባል ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ ኢትዮጵያ ንድልየታታ ብውግእ ክተዐውት ከም ዘይትፍትን ከረጋግጸልኩም እፈቱ” ኢሉ። እዚ ዝስማዕ ዘሎ ድሕሪ`ቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝሃቦ ኢትዮጵያ ኣፈደገ ባሕሪ የድልያ`ዩ፡ ኢትዮጵያ ህልውናኣ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝተኣሳሰር`ዩ ዝብል መግለጺኡ ብዙሕ ዞባዊ ሻቕሎታት ኣበጊሱ ድሕሪ ምቕናዩ`ዩ። ኢትዮጵያ ንሓባራዊ ረብሓ ልዝብ የድልያ`ሎ ብምባላ ወራር ክካየድ ይኽእል`ዩ ዝብል ሻቕሎት ክስማዕ ቀንዩ`ዩ ዝበለ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ፡ "ንምሉኦም ኢትዮጵያውያንን ሰራዊት ምክልኻልን ከረጋግጾ ዝደሊ ነገር፡ ኢትዮጵያ ብሓይልን ወራርን ክተዐውቶ ትደልዮ ወላ ሓንቲ ነገር የለን" ኢሉ።

ኣተሓሒዙ፡ ንሓባራዊ ዕብየትን ብልጽግናን ኩሉ ተዓዋቲ ብዝኾነሉ መንገዲ ሓባራዊ ረብሓና ንምኽባር ክንሰርሕ ኢና ኢሉ። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ ናይ ሎሚ ዘረብኡ “ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትና ቃታ ዘይንስሕብ ምዃና ከረጋግጸልኩም እፈቱ" ኢሉ ።

ምስ ኤርትራ ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምግባሩ ኣብ 2019 ኖቤል ሰላም ዝተሸለመ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጎኒ ሰራዊቱ ተሰሊፎም ምንባሮም ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG