ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጉጅለ ዘተ-ሰላም ንምክያድ ይሰርሕ ምህላዉ ቀ/ሚ ኣብይ ሓቢሮም


መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ዘተ-ሰላም ንምግባር ኮሚቴ መስሪቱ ይሰርሕ ምህላዉ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጡ። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ፓርላማ ካብ ኣባላት ዝቐረበሉ ሕቶታት ኣብ ዝመለሰሉ እዋን፡ መንግስቲ ምስቲ ንገዛእ ርእሱ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ጉጅለ ንምዝርራብ ውሳነ ድሕሪ ምሕላፍ “ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ጥራይ ልዕሊ 10 ግዜ ተፈቲኑ `ዩ" ኢሉ።

ይኹን`ምበር እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ ትሕቲ ሓደ ውድብ ዝተጠርነፈ ስለዘይኮነ ክሳብ ሕጂ ፍረ ክርከብ ከም ዘይተኻእለ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ወሃብ-ቃል ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዝዀነ ኦዳ ተርቢ ብድምጺ ኣመሪካ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ዝተባህለ ጻውዒት ቅኑዕ ኣይኰነን ክብል መሊሱ። ከምቲ ኣብ ኣመሪካ ዝቕመጥ ወሃብ-ቃል፡ ውድቦም ብዛዕባ ዝቖመ ኮሚተ ኣፍልጦን ርክብን ከም ዘይብሉ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጹ። ኣስዒቡ ኣቶ ኦዳ ተርቢ፡ “ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክንዲ ብወግዓዊ መስመር ንገለ ሓለፍቲ ብተናጸል ክረኽቦም ይፍትን ኣሎ፡” ክብል ከሲሱ።

ኣብታ ሃገር ስእነት ሰላም እናበኣሰ ይኸይድ ኣሎ ብምባል፡ ነቲ ጸገም ንምቕራፍ ብዛዕባ ዝውሰድ ስጉምቲ ዝተሓተተ ቀ/ሚ ኣቢይ፡ ብመንጽር ሰላም ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ኣብታ ሃገር ምምሕያሽ ሰላም ከም ዘሎ ድሕሪ ምሕባር ዘላቒ ሰላም ንምርግጋጽ ድማ ኣብ መስርሕ ፍትሒ ዝፍጸም`ዩ ኢሉ።

ብዛዕባ ምንሃር ዋጋን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ጉዳያትን ብዝምልከት`ውን ሕቶታት ዝቕረበሉ ቀዳማይ ሚንስተር መልስን መብርህን ከም ዝሃበ ወኪልድምጺ ኣመሪካ ካብ ኣዲስ ኣበባ ጸብጺቡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG