ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳማይ ስራሕ ቀ/ሚ አብይ ኣሕመድ ምቅይያር ወይ ሓድሽ አባላት ፓርላማ ምጥያስ ምዃኑ ተገሊጹ


ትማሊ ቃለ መሓላ ዝፈፀሙ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ካልኣይ መዓልቶም ሒዞም ኣለው።እቶም ሓድሽ መራሒ ለውጢ ከምፅኡ ከምዝኽእሉ ዝገለፁ ምሁራንን ተንተንትን ነዚ ናይ ለውጢ ፃዕሪ ንምምራሕ ድልዊ ምዃኖም መደረርኦም ሓባሪ እዩ ኢሎም ኣለው።

ብዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ኣዋልድን ዝኾኑ ሓድሽ መራሒ ኢትዮጵያ ምስ ስድርኦም ናብ ኣራት ኪሎ ቤተ መንግስቲ ዝኣተው ቀዳማይ ሚንስትር ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ብምትካእ እዩ።

ናይ መጀመሪያ ስራሕ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ብወዛ ካብኔ ምግባር ወይ ምሉእ ብምሉእ ሓድሽ ምጥያሽ ክኸውን ከምዝኽእል ትፅቢት ይግበር።መዓስ ከምዝፍፀም ግን ዝተገልፀ የለን።ኣብ ፓርላማ ሓጋዚ ሚንስትር ድኤታ ወኪል መንግስቲ ኣቶ ኣማኑኤ ኣብርሃም ነዚ ኣረጋጊፆም ኣለው።

“ምጥያሽ ካብኔ ብዝምልከት ናይ በይኖም ስልጣን ስለዝኾነ ኣብዚ ጉዳይ ሪኢቶ ንምሃብ ኣፀጋሚ እዩ።”

ክሳብ ሕዚ ምስቲ ነባር ካብኔ ኣኼባ ከምዘይገበሩ ምንጭታት ገሊፆም ኣለው።ዶ/ር ኣሕመድ ቀዳማይ ሚንስትር ኮይኖም ብምምራፆም መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም መግለፂ ሰናይ ትምኒቶም ኣብ ምልኣኽ ይርከቡ ከምዘለው ጸብጻባት ካብ አዲስ አበባ ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG