ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣቢይ ምስ ውዱባት ፖለቲካ ይዘራረቡ፡ ልዕሊ 10 ውድባት ግን ኣብቲ ርክብ ኣይተሳተፉን


ቀዳማይ ሚስንተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ውዱባት ፖለቲካ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ልዕሊ 10 ፖለቲካዊ ፓርትታት ዝሓዘ ጥምረት ከምዘይተሳተፈ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ኣኼባ ካብ መንጎ ዝተሳተፉ ምኽትል ኣቦ መንበር ኢዜማ ዮሃንስ መኮነን፡ ዋና ጸሓፊ ኢሕኣፓ ደስታ ጥላሁን ብወገኖም እቲ ምይይጥ ጽቡቕ ከም ዝነበረ ብምግላጽ፥ ብዛዕባ ኣብቲ መድረኽ ዝተላዕሉ ሕቶታትን ምላሻትን`ውን ተዛሪቦም ኣለዉ። ነቲ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ዝተግብረ ኣኼባ ካብ ዝነጸጉ ፓርትታት ሓደ ናይ ዝኾነ ኦፌኮ ኣቦ-መንበር ፕሮፈሰር መረራ ጉዲና "ዘይተሳተፍና እቲ ገዛኢ ፓርቲ ንጸገማት ንምፍታሕ ፖለቲካዊ ድልየት ዘይብሉ ስለዝኾነ`ዩ" ኢሉ።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ፡ ዕላማ`ቲ ርክብ፡ ዝሓለፉ ዓመታት ብዛዕባ ዝተገብሩ ነገራት ርእይቶን ነቐፌታን ንምትእኽኻብ ምዃኑ ኣብ ማሕበራዊ ገጹ ኣስፊሩ ኔሩ። እርማትን ምትዕርራይን ንምርኣይ ካብ መንጎ ዕላማ`ቲ ኣኼባ ምንባሩ `ውን ጠቒሱ`ሎ። እንተኾነ 13 ፓርትታት ፖለቲካ ዝሓቖፈ ጥምረት ዘይምስታፉ ዝገለጸ ፕሮፈሰር መረራ ጉዲና፡ መንግስቲ ነቲ ኣኼባ ዝደለዮ ንስእ`ዩ ክብል ነቒፉ።

እቲ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ዝተኻየደ ኣኼባ ከምቲ ልሙድ ዛጊት ብመራኸቢ ብዙሃን መንግስቲ ኣይተመሓላለፈን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG