ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ፍልልያት ብምርድዳእ ክፍታሕ ፀዊዖም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ”ለበዋ ንህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ ንልሂቃን ትግራይ!” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ “ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ ፍልልያት ብሰላምን ብምርድዳእን ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ብዘረጋግፅ መንገድን ክትውድኡ ይሓትት" ኢሎም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣስዒቦም ኣብቲ ናይ ጽሑፍ መግለፂ “ምስ መንግስቲ ፈዴራል ኰነ ካልኦት ሓይልታት ዘለኩም ፍልልያት ብሕገ መንግስቲ ሃገርናን ብዴሞክራሲያዊ መገድን ብምርድዳእ ንምፍታሕ ድልዋት ክትኰኑ እላቦ።” ኢሎም’ለዉ።
"ፌደራላዊ መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ንዘሎ ኩሉ ጉዳያት ንምዝርራብ፣ ፍልልያት ሓሳብ ድማ ከም ኣፈላላይ ሓሳብ ብምውሳድ ነገር ግን ኣብ ዘረዳድኡና ሃገራዊ ጉዳያት ብስኒት ክንሰርሕ ዘኽእለና ኩነታት ምህላዉ ብምግንዛብ ህዝቢ ናብ ልምዓቱን ሕውየቱን ክምለስ ሓቢርና ክንሰርሕ ደጊመ እላቦ” ዝብሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ "ምኽንያት ብዘየገድስ ክለዓል ዘለዎ ሕቶ ኣብ ዝሓለፉ 100 ዓመታት ዝተኻየዱ ውግኣት ህዝቢ ትግራይ እንታይ መኽሰብ ረኺቡ እንታይ'ኸ ከሲሩ? ኢልካ ምሕታት ይግባእ" ድሕሪ ምባል "ድሕሪ ደጊም ኲናት ንኸይለዓል እንታይ ምግባር ይሓይሽ? ዝብል ሕቶ ኣልዒልካ መልሲ ምርካብ ኣገዳሲ ኢዩ" ኢሎም’ለዉ።
ቅጥዒ