ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ኣባላት ፓርላማ ተራኺቦም፣ ሕቶታት ኣባላት መሊሶም


ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ስልጣን ክወርዱን ፓርላማ እታ ሃገር ክብተንን ካብ ሓደ ኣባል ቤት ምኽሪ'ታ ሃገር ዝቐረበ ሕቶ ውዱቕ ጌሮም።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ሎሚ ሓሙስ 6 ሓምለ 2023 ዝተኻየደ ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ንዝተቐረበሎም ዝተፈላለዩ ሕቶታት መብርሂ ሂቦም።

እታ ሃገር ኣብ ኩሉ መዳያዊ ቅልውላው ትርከብ ኣላ ዝበሉ 'ኣብን' ካብ ዝተባህለ ተቓዋሚ ውድብ ዝተወከሉ ኣባል ፓርላማ ዶክተር ደሳለኝ ጫኔ፡ ስለ ዝኾነ ድማ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ መዝነቶም ክወርዱን ፓርላማ ክብተንን ሓቲቶም።

እቶም ቀዳማይ ሚንስተር እቲ ሕቶ ካብ ሃልኪ ንማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ዝዘለለ ካልእ ጥቕሚ የብሉን ክብሉ መሊሶም።

ፍሉይ ሓይሊ ዳግም ንምውዳብ ይውስድ ዘሎ ስጉምቲ ድማ ንምኽባር ሕጊ፡ ብኽነት ሃብቲ ንምክልኻልን ሃገራዊ ሓድነት ንምርግጋፅን ዕላማ ዘለዎ ምኳኑ ዝገለጹ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ገና እውን ኣይተዛዘመን ኢሎም።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ሸገር ከተማ ዝተፈፀመ ምፍራስ መንበሪ ኣባይትን ኣብያተ እምነትን ብዝምልከት ንዝቐረበ ሕቶ እቲ ጉዳይ ብዋናነት ንናይታ ከተማን ክልል ኦሮሚያን ምምሕዳር ዝምልከት'ዩ ይኹን ደኣ ምበር ኣብቲ መስርሕ ዝተጎድአ ሕጋዊ አካል እንተልዩ ግን ክካሓስ ኣለዎ ኢሎም።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣብ መንጎ ክልል ኣምሓራን ትግራይን ዘሎ ምስሕሓብ መሬት ብዝምልከት ዝቐረበሎም ሕቶ ብህዝበ ውሳነ ክምለስ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

ንሶም ምስ ህወሓት ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ንምፅናዕ መንግስቲ ሓላፍነቱ ኣብ ምውፃእ ይርከብ ኣሎ ዝበሉ ኮይኖም ምስ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ተጀሚሩ ዝተቋረጸ ልዝብ ብዝምልከት ዝቐረበሎም ሕቶ ግን ምላሽ ኣይሃቡን።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ እዋናዊ ርክብ ብዝምልከት ዝቐረበ ካልእ ሕቶ'ውን ብተመሳሳሊ ምላሽ ኣይሃቡሉን።

መንግስቲ ቀዳምነት ክህቦም ንዝግብኡ ጉዳያት ዕሽሽ ብምባል ኣብ ህንፀት ፓርክታት ተፀሚዱ'ሎ ዝብል ብምንቃፍ ንዝቐረበ ሕቶ ንህንፀት ፓርክ ዝውዕል ካብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ውልቀሰባትን ብዝርከብ ገንዘብ ዝተሸፈነ እዩ፤ እቲ ወፍሪ ድማ ንምዕባለ ዓውዲ ቱሪዝም ኣድላዪ ምዃኑ ሓቢሮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG