ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ንተኽእሎታት ኣፍደገ ባሕሪ ትእምት፡ መንግስቲ ኤርትራ "ኣይትሻቐሉ"


ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕርን ቀይሕ ባሕሪን ንኣባላት ፓርላማ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እዚ ጉዳይ ብዛዕባ ሃገራዊ ረብሓ እምበር ጉዳይ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮነን ኢሎም። ኣብ ቀረባ ብፋና ብሮድካስቲንግ ኮርተሬት ኣብ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ምውናን ኣፍደገ ባሕሪን ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪን ብኣባላት ፓርላማ'ኳ ከም ሓሳብ ንምዝርራብ ከም ነውሪ ከምዝሕሰብ ብዛዕባ ቲ ጉዳይ ምዝርራብ ድማ ዘሕፍር ከምዘይኾነ ገሊጾም ኔሮም። ቀይሕ ባሕሪን ፈለግ ኣባይን ምስ ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰሩ ንኢትዮጵያ ምዕባለን ጥፍኣትን መሰረት እዮም ኢሎም።

ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ 2023 150 ሚሊዮን ይግመት ዝበሉ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ 150 ሚሊዮን ናይ ጅኦግራፊ እሱር ኮይኑ ምቕጻል ከምዘይክኣልን ምዝርራብ ከምዘድልይን ብምሕባር፤ "ቻርተር ሕቡራትሃገራት፣ ታሪኽን ኩነታት ኢትዮጵያን ብምልዓል ዘይምዝርራብ ጌጋ እዩ፤ እንተዘይኮይኑ ዘላቒነት ኢትዮጵያ ብዝህልው ፀቕጢ ቁጠባን ብዝሒ ህዝብን ኣብ ሓደ ክወድቕ እዩ:" ኢሎም። ንሶም ወሲኾም "ንሕና ናይ ግድን ዓሰብ፡ ዘይላ፡ ኣዱሊስ ወይ ባፅዕ ክኸውን ኣይንብልን ግን ብክራይ ይኹን ብዕድጊት ናይ ግድን መውፅኢ ንደሊ ኢና፡’’ ኢሎም። እዚ ድማ ብምዝርራብን ብሰላምን ክፍፀም ይኽእል፡ ፌደረሽን ወይ ኮንፈደረሽን'ውን ኣማራጺ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሎም።

ነዚ መልሲ ዝሃበ ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ኣብ ዘውፅኦ ሓፂር መግለፂ "ኣብ’ዚ ቀረባ እዋናት፡ ብዛዕባ ማያትን መሳዂቲ ባሕሪን ዝመሳሰሎ ኣርእስትታትን ዝተባህለን፡ ‘ተባሂሉ’ ዝተባህለን፡ እልቢ የብሉን። ዘየስደመሞ ተዓዛቢ ኸኣ የለን።መንግስቲ ኤርትራ፡ ከም ወትሩ፡ ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ጐደናታትን መኣዲታትን ከምዘይዕደም ደጋጊሙ እናረጋገጸ፡ ንኹሎም ግዱሳት ከይትንኰዩ ይምሕጸን፡’’ ኢሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG