ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኢትዮጵያዊያን ኣብ ዝኾነ ክፋል’ታ ሃገር ተዘዋዊሮም ናይ ምስራሕ መሰሎም ኣብ ሕቶ ክወድቕ የብሉን” ቀ/ሚ አብይ ኣሕመድ


ኢትዮጵያዊያን ኣብ ዝኾነ ይኹን ክፋል እታ ሃገር ተዘዋዊሮም ናይ ምስራሕ መሰሎም ኣብ ሕቶ ክወድቕ የብሉን ክብሉ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣተሓሳሲቦም።ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ነዚ ዝበሉ ኣብ ዋና ከተማ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣሶሳ ምስ ህዝቢ ኣብዝተዘራረቡሉ እዋን እዮም።

ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ምስ ህዝቢ ይዘራረቡ ዘለው ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ተወከልቲ ነበርቲ ከተማ ኣሶሳ ተዘራሪቦም ኣለው።

ዜጋታት ኣብዝተፈላለዩ ክልላት ተዘዋዊሮም ናይ ምስርሖም መሰል ብዝምልከት ንዝቐረበ ሕቶ ዝመሰለሱ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኢትዮጵያዊያን ኣሽንኳይዶ ኣብ ሃገሮም ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘለዎም መሰላት ተዛሪቦም ኣለው።

“ከም እትፈልጡዎ ጎረቤትና ኣብዝኾነት ሱዳን ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ኢትዮጵያዊያን ኣለው።ፓስፖርትን ወረቐት መለለዪ መንነትን ዘይብሎም ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ካርቱምን ካልኦት ከባቢታትን ይነብሩ ኣለው።ኣሽንዃይዶ ህዝቢ ክልላት ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ኣምሓራ ወይ ክልል ኦሮሚያ፡ ሱዳን ኢትዮጵያዊያን ሃገሮም እዩ ኢላ ሓቒፋ ተንብር አላ።ዱባይን ጅቡትን እውን ሓቒፎም እናነብሩና እዮም።ሰብ ምስ ሰብ ክነብር ናይ ዝኾነ ይኹን ዜጋ ምዃን ኣይሓትትን።ሰብ ምዃን እኹል እዩ።”

ኣዚዩ ሰፊሕ ሃብቲ ዘለዋን ሰፋሕ ሃገርን ኢትዮጵያ ህዝባ ዝስደዱላ ክትኸውን የብላን ኢሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዝተዘዋወሩለን ኩለን ክልላት ተዘዋዊርካ ናይ ምስራሕን ንብረት ናይ ምፍራይን መሰል ክሕተት ፀኒሑ’ሎ።ካብ ትሽዓተ ክልላት ዛጊድ ኣብ ሽዱሽቲአን ዝበፅሑ ክኾኑ ከለው ኣብ ዝቕፅል ናብተን ዝተረፋ ሰለስተ ክልላት ከበፅሑ ትፅቢት ይግበር።

ቀዳማይ ሚንስትር አብይ ኣሕመድ ሎሚ ኣብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ዑደት የካይዱ ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG