ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መደረ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ


ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብተወሳኺ ምስ ኤርትራ’ ውን ንሰላም ቕሩባት ኣለና ኢሎም። ካብ ኤርትራ ተመሳሳሊ መርገጺ ክርእዩ ከም ዝጽበዩ ተዛሪቦም

ሎሚ ፍሉይ ኣኼባ ዘካየደ ፓርላማ ኢትዮጵያ ሓድሽ አቦ መንበር ኢህወዴግ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚንስትር ጌሩ ሸይሙ’ሎ።

እዚ ምስግጋር ስልጣን ስልጣን ሓድሽ ምዕራፍ ዝጀመረሉ’ዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚንስትር ዶ/ ር ኣብይ ኣሕመድ ክንጥቀመሉ ይግባእ ክብሉ እውን ተላብዮም እዋናዊ ኹነታት ብዝምልከት በብጊዚኡ መስዋእቲ ንዝኸፈሉ ተሓለቕቲ መሰላት ፖለቲኸናታት ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ምሟቶም ይቅሬታ ሓቲቶም።

ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብተወሳኺ ምስ ኤርትራ’ ውን ንሰላም ቕሩባት ኣለና ኢሎም። ካብ ኤርትራ ተመሳሳሊ መርገጺ ክርእዩ ከም ዝጽበዩ ተዛሪቦም።

ካብ ወገን መንግስቲ ኤርትራ ብፍሉይ ነዚ ብቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ዝቐረበ ጻውዒት ሰላም ዝተዋህበ ምላሽ የለን፡ እንተኾነ ክሳብ ሎሚ ዝፍለጥ መርገጺ ኤርትራ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ`ቲ ጎቢጥዎ ዘሎ መሬት ከይወጸ ምዝርራብ የለን ዝብል ምዃኑ ይፍለጥ.

ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ትውልደ ኢትዮጵያዊያን መጸዋዕታ ሓቢርካ ምስራሕ ኣቅሪቦም እዚ መደረ’ቶም ቀዳማይ ሚንስትር ዘመናዊ መዓቀኒ መደረ ዘማለአ መልክዕ ዕድመን ዕርቂን ዘለዎ’ዩ ክብሉ’ውን አባላት ፓርላማን ምሁራትን ካልኦትን ርእይትኦም ገሊጾም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መደረ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:30 0:00

XS
SM
MD
LG