ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ብስልኪ ተዘራሪቦም


ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣህመድ ምስ ናይ ግብፂ ፕረዚደንት ብስልኪ ምዝርራቦም ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።ብኻልእ ወገን ምልዓል ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ሓዊሱ ካልኦት ስጉምትታት ብቕልጡፍ ክወስዱ ከምዘለዎም ምሁራትን ተንተንትን ይዛረቡ ኣለው።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣብ ቅድሚኦም ካብዘለው እዋናዊ ፈተናታት ግዳብ ህዳሴ ኣመልኪቱ ምስ ግብፂ ዘሎ ኣፈላላዪ ሓደ እዩ።

መራሒ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ናይ ግብፂ ፕረዚደንት ኣብዱል ፈታሕ ኤል-ስሲ ብስልኪ ምዝርራቦም ተገሊፁ’ሎ።

ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ምምራፆም ናይ ግብፂ ፕረዚደንት እንዃዕ ሓጎሰኩም ከምዝበሉዎም ማዕኸናት ዜና ግብፂ ገሊፀን ኣልዋ።ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ኩለመዳያዊ ርክባት ንምሕያል ምስ ሓድሽ ቀዳማይ ሚንስትር ከምዝሰርሑ ምዝራቦም እውን ተሓቢሩ’ሎ።ቀዳም ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ብወገኖም ኣል-ሲሲ ዳግም ምምራፆም ሓጎሶም ምግላፆም ተገሊፁ’ሎ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ምስ መራሕቲ ጅቡቲ፣ሶማሊያን ካልኦትን ብስልኪ ምዝርራቦም ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣቶ መለስ ኣለም ሓቢሮም።

“ምስ ናይ ግብፂ ፕረዚደንት ዓብዱ ፈታሕ ኣል-ሲሲ ዝተኻየደ ዝርርብ ተመሳሳሊ እዩ።እቲ ርክብ ፓርላማ ቀዳማይ ሚንስትር ንክኾኑ ድሕሪ ምፅዳቑ ዝተኻየደ ርክብ ምዃኑ ጥራሕ እዩ። “

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ናይ ግብፂ ፕረዚደንት ድሕሪ ምዝርራቦም ድሕሪ ክልተ መዓልታት ሱዳን ሓዊሱ ብደረጃ ምንስትራት ሰለቲአን ሃገራት ፅባሕ ኣብ ካርቱም ልዝብ ከምዝጅመሩ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ’ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኢንሼትቪ ኣፍሪካ ንዝተብሃለ መንግስታዊ ዘይኮነ ትካል ዳይረክተር ኣቶ ክቡር ገና ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ብቕልጡፍ ክወስድ ኣለው ዝበሉዎም ስጉምትታት ኣብሪሆም።

“ቅድሚ ኩሉ ንኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ምልዓል እዩ።ኣየድልን ዝብል እምነት ኣለኒ።ብዝገደደ ንዝህቢ ዘራፅምን ከምኡ እውን ንኣሰራርሓ ሕጊ ናይታ ሃገር ዝጥሕስን ስለዝኾነ ክልዓል ኣለዎ።ካልኣይ ህዝቢ ተኣኪቡ ክዘራረብ ዝኽእለሉ መድረኽ ክኸፍቱ ኣለዎም።ነቲ ነፃነት ዳግም ክመልሱዎ ኣለዎም፤ምኽንያቱ ነፃነቱ ተወሲዱ እዩ።ህዝቢ ንመንግስቲ ካብ ዝግባእ ንልዓሊ ይርሕቕን ይፈርሕን ኣሎ።”

ሳልሳይ ድማ ንካልኦት ፓርትታት ብዘሳትፍ መልክዑ ንኣካያይዳ ምርጫ ቦርድ ምምዕርራይ ከምዘድሊ ገሊፆም ኣለው ።

XS
SM
MD
LG