ዋሽንግተን —
ሓድሽ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር አብይ ኣሕመድ ኣብ ፈላማይ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ናብ ዋና ከተማ ክልል ሶማልያ ጂጂጋ በጺሖም።
ዕላማ እቲ ዑደት ኣብ መንጎ ኣዋስንቲ ወረዳታት ክልላት ሶማልያን ኦሮምያን ብዝተፈጥረ ጎንጺ ንዝሰዓበ ቅልውላው ፍታሕ ንምርካብ ምዃኑ ተገሊጹ'ሎ።
ካብ ክልል ሶማልያ ዝተመዛበሉ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ መዕቆቢ መደበር ሓማሬ ስ ዝርከቡ ግን እቲ ኩነታት ምድንጋር ከምዝፈጠረሎም ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም ኣለው።
እቶም ሓድሽ ቀዳማይ ሚንስትር ዶ/ር አብይ ኣሕመድ ብቀዳም ናብ ከተማ ጂጂጋ ኣብ ዝተጉዓዝሉ ምክትል ቀዳማይ ሚንስትርን ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያን ካል ኦት ሰበ ስልጣን ፈደራል ሓቢሮም ተጓዒዞም ኔሮም።