ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንጉስ ጸወታ ቸዝ ጋሪ ካስፓሮቭ ናብ ዓለምለኻዊ ግጥማት ተመሊሱ


ንጉስ ጸወታ ቸዝ ምዃኑ ዝእመነሉ ጋሪ ካስፓሮቭ ን12 ዓመታት ተፈልዩዎ ንዝነበረ ጸወታ ቸዝ ተመሊስዎ ኣሎ።

ንሱ: ትማሊ ሰኑይ ኣብ ሚዙሪ ሰይንት ለዊስ ኣብ ዝተኸፍተ ዓለምለኸ ውድድር ጸወታ ቸዝ ዝምለስ ዘሎ: ኣብ ፖለቲካ ክነጥፍ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ።

ኣብ መኽፈቲ ናይ’ዚ ዓለምለኸ ውድድር ቸዝ: 54 ዝዕድመኡ ጋሪ ካስፖኣሮቭ ምስ ኣብ ንኡስ ዕድመ ዝርከብ ሩስያዊ ሰርገይ ካርጃኪን’ዩ ገጢሙ።

ኣብቲ ግጥም ብማዕረ ክፈላለዩ እንከለው: ኪኖ’ቲ ውጽኢት ግን: ሰርገይ ካርጃኪን ንታሪኽ ጋሪ ካስፓሮቭ ክደግሞ ድዩ ብዝብል እቲ ግጥም ኣቓልቦ ሓያሎ ማዕከናት ዜና ዓለም’ዩ ስሒቡ።

ንጉስ ጸወታ ቸዝ ጋሪ ካስፓሮቭ ናብ ዓለምለኻዊ ግጥማት ተመሊሱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:02 0:00

ከምዝፍለጥ ጋሪ ካስፓሮቭ ንፈለማ ግዜ ኣብ ግጥም ጸወታ ቸዝ ህቡብነት ከጥሪ ዝኸኣለ: ኣብ 1985 ኣብ ንኡስ ዕድመኡ ማለት ወዲ 22 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ: ኣብ ዝተኻየደ ዓለምለኸ ውድድር ጸወታ ቸዝ: ንናይቲ ግዜ ሻምፕዮን ዝነበረ ኣናቶሊ ካርፖቭ ድሕሪ ምስዓሩ’ዩ።

እቲ ብሳጓ ኣራዊት ባኩ ማለት Beast of Baku ዝፍለጥ ጋሪ ካስፓሮቭ ኣብ ሊናርድ ስጳኛ ኣብ 2005 ይካየድ ኣብ ዝነበረ ዓለምለኸ ውድድር ቸዝ ካብ ጸወታ ተኣልዩ። ብድሕሪኡ እቶም ዓለምለኸ ኣፍቀርቱውን ብጊደኦም ነቲ ጸወታ ምዕዛብ ብምርሕራሖም ዳርጋ እቲ ውድድራት ቸዝ እናሃሰሰ ክመጽእ’ዩ ጸኒሑ።

ይኹን’ምበር ኣብዚ ኣብ ሚዙሪ ሰይንት ለዊስ ንሓሙሽተ መዓልታት ዝቕጽል ዘሎ ዓለምለኸ ግጥማት ቸዝ: ዳግማይ ምቕልቃል ካስፓሮቭ ነቲ ጸወታ ከበራብሮ ከምዝኽእል ብተወሳኺ ተገሊጹ።

XS
SM
MD
LG