ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት 20 ሰባት ሞይቶም


ኣብ 4 ሕዳር 2015 ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝወደቐት ነፋሪት
ኣብ 4 ሕዳር 2015 ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝወደቐት ነፋሪት

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ደቡብ ሱዳን ሎሚ ረቡዕ ብዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት፡ ብውሑዱ 20 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ሓደ ጥራይ ምድሓኑ ንሚኒስትሪ ዜና እቲ ከባቢ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣመልኪቱ።

እታ ካብ ጁባ ዝነቐለት ነፋሪት ኣብ ከባቢ ነዳዲ ዝዕደነሉ ቦታ’ያ ብኣቆጻጽራ ሰዓት እቲ ከባቢ 10፡30 ንግሆ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙዋ።

21 ሰባት ሒዛ ዝነበረት ነፋሪት ካብ መዕለቢኣ ኣስታት 500 ሜትሮ ምስ ተረፋ’ያ ወዲቓ።

ኣብታ ነፋሪት ዝሞቱ 16 ዜጋታት ደቡብ ሱዳን፡ ክልተ ቻይናውያንን ሓደ ህንዲን ምንባሮም ሰብ-መዚ ሓቢሮም። ኵላቶም ሰራሕተኛታት ዕደና ነዳዲ ኰይኖም፡ እቲ ዝደሓነ’ውን ደቡብ ሱዳናዊ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ጠንቂ እቲ ሓደጋ ዛጊት ኣይተሓበረን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG