ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኩሎም ተሳፈርቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቓዲሾ ዝወደቐት ነፋርቲ ድሒኖም


36 ተጉዓዝትን ሰራሕተኛታትን ዝሓዘት ነፍሪት ሎሚ ሰኑይ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሞቃድሾ ወዲቃ ግን ኩሎም ኣብኣ ዝነበሩ ሰባት ድሒኖም ኣለው።

እታ መንገዲ ኣየር ጁባ ዝኾነት ነፋሪት ካብ ደቡብ ምዕራባዊት ከተማ ባይደዋ ተበጊሳ ኣብ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ዓደን ዓደ ከተማ ሞቃድሾ ኣብ ዝበጽሓትሉ'ያ ወዲቃ ተሓምሺሻ።

መሰኻኽር ዓይኒ ከም ዝበልዎ እታ ነፋሪት ምስ ወደቀት ባርዕ ሓዊ ከምዝተላዕለን ሰራሕተኛታት መጥፍእቲ ሓዊ ነቲ ባርዕ ኽጥፍኡ ኽጽዕሩ ከለዉ ከምዝርኣዩ ሓቢሮም ኣለው።​

XS
SM
MD
LG