ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ-ምልልስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንኢትዮጵያ ስለምንታይ ኣይጠቀሰን?


መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዳሕረዋይ ቃለ-ምልልሶም ንኢትዮዽያ ዘይምልዓሎም ቅድም ዝተሓተቱ ዶ/ር በርሀ ሃብተጊዮርጊስ ”ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ዋዕላ ባይቶ ሕ/መ መፂኡ ሕፅር ዝበለን፣ነታ ዘምፀአቶ ጥራሕ‘ዩ ገይሩ ከይዱ።የማን ፀጋም ከይበለ።ምናልባት ከምዚ ዓይነት ኩነታትሲ፣ብድሕሪት ዝካየድ ዝርርባት ናይ ምህላው ምልክት ደኾን ይኸውን? ዝብል እዩ“ ይብሉ።

ብካልእ ወገን፣ፕረዚደንት ኢሳያስ ጥራሕ ናይ ህልኽን ውልቃዊ ዝኾነ ነገራትን፣ነቲኦም የሕምሞም’ዶ ኣየሕምሞንን ካብ ዝብል‘ምበር ፖሊሲ ዝመስል ነገር ሒዞም ክመፁ ብዙሕ ጊዜ ኣይርኤሎምን። ኣብ‘ቲ ቃለ-ምልልስ ብዛዕባ ኢትዮዽያ ዘይተዛረብሉ ከምኡ ዓይነት ኣብ ውልቃዊ ዝመስል ነገር፣ስምዒታዊ ዝመስል ነገራት‘ምበር ካልእ ምኽንያት ክህልዎ ኣይኽእልን ይብሉ ዶ/ር ሙሉብርሃን።

XS
SM
MD
LG