ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እንግሊዛዊ ተጉዓዛይ ምስ ጨዋይ ነፋሪት ግብጺ ስእሊ ይሳኣል


 ካብ ማህበራዊ መራኸቢ ዝተረኽበ ኣዛራቢ ስእሊ ተጉዓዛይን ጨዋያይን
ካብ ማህበራዊ መራኸቢ ዝተረኽበ ኣዛራቢ ስእሊ ተጉዓዛይን ጨዋያይን

ሓደ ብሪጣናዊ ተጓዓዛይ እታ ትማሊ ተጨውያ ኣብ ሳይፕረስ ክትዓርፍ ዝተገደደት ነፋሪት ግብጺ ምስ ዝጨወየ ውልቀ-ሰብ ስእሊ ብምስኣሉ ናይ ማህበራዊ መራኸቢ ብዙሃን መዘራረቢ ኮይኑ’ሎ።

ቤን ኢንስ ወዲ 26 ዓመት ብሪጣናዊ እዩ።ቦምብ ተዓጢቐ ኢሉ ነታ ነፋሪት ምስ ዝጨወየ ሰዒፍ ኤል-ዲን ሙስጣፋ ድማ ብሓባር ስእሊ ተሳኢሉ።

‘ንምንታይ ከምኡ ከምዝገበርኩ ኣይፈልጥን።ኣብ ፊት ንፊት ጸላኢ ክትሕጎስ ከምዘለካ ዝገበርኩዎ ፈተነ እዩ’ ክብል ንናይ ብሪጣንያ ጋዜጣ ‘ዘ ሳን’ ቃሉ ሂቡ’ሎ።ብምቕጻል ንሱ ‘ኮፍ ኢልና ንጽበ ነይርና፤ሕስብ ኣቢለ ስለምንታይ ምስኡ ዘይስኣል?ነቲ ቦምብ እንተድኣ ተኲሱዎ ስቕ ኢለ ኣይበልኩ ዘገድስ ኣይኮነን’ በለ።

ብኣስተርጓሚነት ሰራሕተኛ እታ ነፋሪት ስእሊ ብሓንሳብ ክስኣሉ ኢንስ ንሙስጣፋ ይሓቶ፡ ፍቓደኛ ኮይኑ ኣብ ጎኑ ጠጠው ኢለ ፍሽኽ ኢለ ተሳኢለ’ክብል ነታ ጋዜጣ ቃሉ ሂቡ።

እቲ ፎቶግራፍ ሽዑ ንሽዑ ብቕጽበት ኣብ ምሉእ ዓለም ብዙሓት ማሕበራዊ መራኸቢታት እናተቐባበላ ዘርጊሐንኦ።

እዚ ከምዚ'ሎ ኸሎ ነታ ናይ ግብጺ ነፋሪት ጨውዩ ዝተብሃለ ተጠርጣሪ ምርምራ ክሳብ ዝካየድ ንሾመንተ መዓልታት ተኣሲሩ ክጸንሕ ቤት ፍርዲ ሳይፕረስ ኣዚዙ።

ብመጭወይቲ፣ምዕፋን፣ብምፍርራሕ፣ምስ ሽበራ ዝተተሓሐዘ መጥቓዕትን ነታጒ ምስ ምሓዝን ዝብሉ ክስታት ዝቐረበ ኮይኑ፡ ግብጺ ግን ናይ ኣእምሮ ርቡሽ ኢላ ንዝገለጸቶ ወዲ 59 ዓመት ሰዒፍ ኤዲን ሙስጣፋ ሳይፕረስ ኣሕሊፋ ክትህባ ሓቲታ’ላ።

ሙስጣፋ ነቲ መጭወይቲ ዝፈጸመ ንበዓልቲ ቤትን ደቁን ንዝሓልፉ 24 ዓመታት ርእይዎም ስለዘይፈልጥ እዩ።

Recommended

XS
SM
MD
LG