ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልዑል ፍሊፕ ማውንትባተን ዓሪፎም


Britain Prince Philip (1953)
Britain Prince Philip (1953)

ኣብ ግሪክ ዝተወልዱ ባዓል ቤት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ልዑል ፍልፕ፣ ሎሚ ዓርቢ ኣብ መበል 99 ዓመት ዕድሚኦም ዓሪፎም።

ብመሰረት ቤተ መንግስቲ ባኪንሃም ዝዘርገሖ ሓበሬታ ‘ንግስቲ ኤልሳቤጥ፣ ሞት ፍቁረንን ባዓል ቤተንን ልዑል ፍሊፕ፣ ሹም ኤዲንበርግ ከምዝዓረፉ፣ ብዓሚቅ ሓዘን ገሊጸን’ ይብል።

‘ዝተኸበሩ ሹም፣ ሎሚ ንጉሆ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዊንድሶር፣ ብሰላም ዓሪፎም። ተወሳኺ ሓበሬት፣ ኣብ ጊዚኡ ክዋሃብ እዩ’ ይብል’ ቤተ ሰብ ንጉሳዊያን ዝሃብዎ ሓበሬታ።

ፍሊፕ ማውንትባተን፣ ኣብ ኮርፉ ደሴት ግሪክ፣ 10 ሰነ 1921 ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ተወሊዶም። ወላዲኦም ልዑል ግሪክን ዴንማርክን ነይሮም። ኣዲኦም ልዕልቲ አሊስ፣ ጓል ጓለን ንንግስቲ ብሪጣንያ ዝነበራ ንግስቲ ቪክቶርያ እየን ነይረን።

ፍሊፕን ኤልሳቤጥን፣ ኣብ ዌስትሚንስትር ኣብይ፣ ኣብ 1947 ዓም ፈረንጂ ተመራዒዮም። ክልተ ቆልዑ ወሊዶም።

XS
SM
MD
LG