ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ፊላደልፍያ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ተዅሲ 5 ሰባት ቆሲሎም


ኣብ ኣመሪካ ከተማ ፊላደልፊያ ሰኑይ ምሸት ብዝጋጠመ መጥቓዕቲ ተኹሲ ብውሑዱ ሓሙሽተ ሰባት ቆሲሎም ሕክምናዊ ኣገልግሎት ይወሃበሎም ኣሎ።

ካብቶም ግዳያት ክልተ ዓመትን 13 ዓመት ዝዕድሚኦም ህፃናት ሕክምናዊ ኣገልግሎት ረኺቦም ናብ ስድረኦም ተመሊሶም።

ከም ሓበሬታ ኮምሽነር ዳኒኤል ኣውትሎው ኩሎም እቶም ግዳያት ደቂ ተባዕትዮ ምዃኖምን ክልተ ተጠርጠርቲ ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምውዓሎም ተዛሪቦም።

ንሶም ወሲኾም “ምኽንያቱ ግን እንታይ ምዃኑ ክንርዳእ ኣይከኣልናን” ኢሎም።

ኮምሽነር ኣውትሎው ካብቲ መከላኸሊ ጥይት ዝለበሰ ተኳሲ ሓደ ሽጉጥን ጠያይትን ከምዝተረኽበ ገሊፆም።

እዚ ኣብ ፊላደልፊያ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣብ 2023 ዝተፈጸመ መበል 29 ጅምላዊ መጥቓዕቲ ተኹሲ ምዃኑ እዩ ብኣሶሴይትድ ፕረስንን ዩኤስቱዳይን ምስ ዩኒቨርስቲ ሰሜን ምብራቅ ብምትሕብባር ዝተዳለወ መረዳእታ ይሕብር።

እቲ ኣብ ፊላደልፊያ ዘጓነፈ መጥቃዕቲ ኣብ ባልቲሙር ሜሪላንድ ካብ ገዛ ወፃኢ ተኣኪቦም ይህደሱ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሰባት ብዝተወለዐ ተኹሲ ፪ ሰባት ሞይቶም መብዛሕትኦም ህፃናት ዝርከብሉ ፪፰ ሰባት ዘቁሰለ ካልእ መጥቃዕቲ ሓደ መዓልቲ ድሒሩ ዝመፀ እዩ። ፖሊስ ዛጊድ ብዙሓት ተጠርጠርቲ ከምዝሓዘ ይገልፅ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG